24 “ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ።
እቶም ምስ ኢዮኣብ ዝነበሩ ሓሽኽር ድማ መፂኦም ኣብ ኣቤል ናይ ቤት ማዓካ ኸበብዎ፤ ነታ ኸተማ ምስቲ መካበብያኣ ዝቐውም ድልድል ሓመድ ገበሩላ። ነቲ መንደቕ ኸውድቕዎ ከዓ የፍርስዎ ነበሩ።
“ስለዙይውን ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ‘ናብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣቱን፤ ፍላፃ ኸዓ ኣይውርውረላን፤ ዋልታ መኪቱ ኣይመፃን፤ ብቕፅሪውን ኣይኸባን እዩ።
ብኽፉእ ሞት ክሞቱ እዮም፤ ዝበኽየሎም ኮነ ዝቐብሮም ኣይረኽቡን እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ጐሓፍ ክድርበ እዩ፤ ብውግእን ብጥሜትንውን ክጠፍኡ እዮም፤ ሬሳኦም ከዓ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ምግቢ ክኸውን እዩ።
ኵሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ፃማኣን ኵሉ ኽቡር ኣቑሑታን ኵሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ፀላእቶም ከም ዝወድቕ ክገብሮ እየ። ንሳቶም ከዓ ኽዘምትዎ፥ ማሪኾም ድማ ናብ ባቢሎን ክወስድዎ እዮም።
ካብታ ንኣኣቶምን ነቦታቶምን ዝሃብክዋ ምድሪ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፥ ውግእን ጥሜትን መቅሰፍትን ክሰደሎም እየ።”
“እንሆ፥ ሰይፍን ጥሜትን መቕሰፍትን ክሰደሎም እየ፤ ከምቲ ኻብ ምብልሻዉ ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሰጎም፥ ኣብ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ኸዓ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣነ ናብኣቶም ዝሰጐጕክዎም ህዝብታት ድማ፥ ንመራገምን ንመገረምን ንመላገፅን ንመፃረፍን ክኾኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።
ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ተውሂባ እንተላስ፥ ንስኻ ‘ግራት ብገንዘብ ዓድግ ምስክር ከዓ ሓዘሉ’ በልካኒ።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያንን ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሱ ድማ ኽሕዛ እዩ።
ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ከምዙይ ኢሉ ኣእሲሩዎ ነበረ፦ “ስለ ምንታይ ከምዙይ ዝብል ትንቢት ትዛረብ? ‘እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ክሕዛ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፦ “ንስኻ፥ ‘ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ፌራን፥ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፋ ኽትወሃብ እያ’ ስለ ዝበልካያ ስለ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፤
ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
ብዛዕባ እቲ ብመፍረሲ ዕርድን፥ ብሰይፍን ዝፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን፥ ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ስለዙይ ሕዚ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉን ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩን ሓርነት ንምእዋጅ ኣይሰማዕኹምንን። ኣነ ኸዓ እንሆ ንውግእን ፌራን ጥሜትን ‘ሓርነት’ እእውጀልኩም ኣለኹ። ንዅሎም መንግስታት ምድሪ መሰክሒ ኽትኮኑ ድማ ኣሕሊፈ ኽህበኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ናቡከደነፆር ከዓ ሴዴቅያስ ምስ ነገሰ ኣብ ታሽዐይቲ ዓመቱ፤ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ፥ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ናብ ኢየሩሳሌም ዘመተ። ኣብ ዙርያኣ ድማ ሰፈሩ፤ ዕርድታት ሰሪሖም ከዓ ኸበብዋ።
ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ህዝቢ እታ ሃገር ዝበልዖ ሰኣነ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣእዋማ ቝረፁ፤ ንኢየሩሳሌም ከዓ ብቕፅሪ ኽበብዋ። ብዅሉ ወገና ዓመፅን ግፍዕን ኣለዋ እሞ፥ እትቕፃዕ ከተማ እያ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጥፍእስ፥ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፥ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን ኣብ ኢየሩሳሌም እንተ ሰደድኩውን፥
ኣብኡ መፍረሲ ዕርዲ ኽተክል፥ ንፈኸራ ውግእ ኣፉ ክኸፍት፥ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኽጭድር፥ ኣብ መንፅር ደገታት ከዓ መፍረሲ ዕርዲ ኸቕውም፥ ሓመድ ኵዒቱውን ዕርዲ ኽነድቕ፥ ኣብ የማነይቱ ናብ ኢየሩሳሌም እተመልክት ዕፃ ነበረት።
ጥፍኣት! ጥፍኣት! ጥፍኣት ካባይ ክመፃ እዩ፤ እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ በዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዝመፅእ እዙይ ኣይነብርን እዩ።”
ነተን ኣብ በረኻ ዘለዋ ኣዋልድ ደቅኺ፥ ብሰይፊ ኽቐትለን ዕርዲ ኽዕርደልኪ፥ ሓመድ ክዅምረልኪ፥ ዋልታታት ከልዕለልኪ እዩ።
ክቢ ኽበባ፤ ኣብ ልዕሊኣ ግንቢ ስራሕ፤ ዕርዲ ዓርዳ፤ ሓመድ ደልድለላ፤ ሰፈር ኣቑመላ፤ ብዅሉ ዙርያኣ ድማ ዘፍርስ ጕንዲ ግበር።
ንነገስታት የላግፁሎም፤ ንመሳፍንቲ ኸዓ መስሓቒ ይገብርዎም። ብዅሉ ዕርድታት ይስሕቑ፤ ነቲ ሓመድውን ኰሚሮም ይወስድዎ።
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
ካብታ ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጠፍኡ ኣነ ሎሚ ንሰማይን ምድርን ኣመስክረልኩም ኣለኹ። ፈፂምኩም ክትፈልሱ ኢኹም እምበር ነዊሕ ዘመን ኣይትነብርዋን ኢኹም።