21 ንህዝብኻ እስራኤል፥ ብምልክትን ብዘደንቕን፥ ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐ ቕልፅምን ብዘርዕድ ግርማን ካብ ሃገር ግብፂ ኣውፃእኻዮም።
ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ህዝቢ ምእንቲ ክኾነካ፥ ባዕልኻ ዘድሓንካዮ እዩ። ምእንቲ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝቢ ኢልካ፥ ነህዛብ ምስ ኣማልኽቶም ብዓቢይን ብዘደንግፅ ተኣምራትን ካብ ቅድሚኡ ሰጒጕካ ስምካ ዘፀዋዕኻ፥ ኣብ ምድሪ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ህዝቢ መን ኣሎ?
ነቶም ህዝብኻ ምእንቲ ክኾኑ ኢልካ ኻብ ባርነት ግብፂ ዘድሓንካዮም ህዝብኻ እስራኤል ዝመስል ኣብ ምድሪ የለን። እቲ ንኣኣቶም ክትብል ዝገበርካዮ ዓበይትን ዘደንቕ ነገራትን ስምካ ኣብ ኵሉ ዓለም ከም ዝፅዋዕ ገበረ። ንህዝብኻ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኻዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ንዝፀንሑ ኣህዛብ ድማ ሰጐጕካዮም።
ምስ ወርቅን ብሩርን ኣውፅኦም፤ ኣብ ማእኸል ነገዳቶም ደዌ ኣይነበረን።
ንህዝቡ ብሓጐስ፥ ነቶም ዝተመረፁ ኸዓ ብዕልልታ ኣውፅኦም።
“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።
እግዚኣብሄር ብሓያል ኢዱ ኻብ ግብፂ ኣውፂኡካ እዩ እሞ፥ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን፥ ኣብ ኢድካ ንምልክት፥ ኣብ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከርታ ይኹነልካ።
ስለዙይ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገብሮ ተኣምራት ንግብፂ ኽወቕዓ እየ፤ ብድሕሪኡ ኽሰደኩም እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ “ኣብ ልዕሊ ፈርዖን ዝገብሮ፥ ሕዚ ኽትርኢ ኢኻ። ብሓያል ኢድ ክሰዶም እዩ። እወ፥ ብሓያል ኢድ ካብ ምድሩ ኣውፂኡ ኽሰጎም እዩ” በሎ።
ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ካብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ግብፃውያን ከውፅአኩም እየ፤ ካብ ባርነት ግብፂውን ሓራ ኸውፅአኩም እየ፤ ብሓያል ቅልፅምን ብብርቱዕ መቕፃዕትን ከድሕነኩም እየ።
እቲ ንኽቡር ቅልፅሙ፥ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፥ እቲ ንባዕሉ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኽገብር፥ ንማያት ኣብ ቅድሚኣቶም ዝኸፈለ ኣበይ ኣሎ?
ነቲ ኣብ ማእኸል ግብፂ፥ ኣብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ሃገሩን ዝገበሮ ምልክታቱን ግብርታቱን ዘክሩ።
እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቅልፅምን ብዘደንቕ ዓብዪ ነገርን ብምልክትን ብተኣምራትን ካብ ግብፂ ኣውፅአና።
ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ?
ነቲ ኣዒንትኹም ዝረአያኦ ዓበይቲ መቕሰፍትታትን ምልክታትን ተኣምራትን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኣኣ ዘውፅአኩም ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልፅምን ኣፀቢቕኩም ዘክሩ። ነዞም ኵሎም እትፈርሕዎም ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኽገብሮም እዩ።