20 ንስኻ ኣብ ሃገር ግብፂ ምልክትን ዘደንቕ ነገራትን ገበርካ፤ ከምኡውን ኣብ እስራኤልን ኣብ ካልኦት ህዝብን ክሳዕ ሎሚ እናገበርካ፥ እንሆ ኸዓ በዙይ ስምካ ኣፀዋዕኻ።
ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፥ ህዝቢ ምእንቲ ክኾነካ፥ ባዕልኻ ዘድሓንካዮ እዩ። ምእንቲ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፃእኻዮ ህዝቢ ኢልካ፥ ነህዛብ ምስ ኣማልኽቶም ብዓቢይን ብዘደንግፅ ተኣምራትን ካብ ቅድሚኡ ሰጒጕካ ስምካ ዘፀዋዕኻ፥ ኣብ ምድሪ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ህዝቢ መን ኣሎ?
ነቶም ህዝብኻ ምእንቲ ክኾኑ ኢልካ ኻብ ባርነት ግብፂ ዘድሓንካዮም ህዝብኻ እስራኤል ዝመስል ኣብ ምድሪ የለን። እቲ ንኣኣቶም ክትብል ዝገበርካዮ ዓበይትን ዘደንቕ ነገራትን ስምካ ኣብ ኵሉ ዓለም ከም ዝፅዋዕ ገበረ። ንህዝብኻ ኻብ ግብፂ ኣውፃእኻዮም፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ንዝፀንሑ ኣህዛብ ድማ ሰጐጕካዮም።
ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ሰራዊቱን ኣብ ዅሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ተኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎም ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፥ ከምዝ ናይ ሎሚ ኾይንዎ ዘሎ ስምካ ኣፀዋዕኻ።
ነቲ ባሕሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ንኽልተ ሰንጠቕካዮ፤ ንቑፅ እናረገፁ ኸዓ ብእኡ ሓለፉ። ነቶም ዝስዕብዎም ግና ኣብ ማዕበል ማያት ደርበኻዮም፤ ከም እምኒ ድማ ኣብ መዓሙቕ ሰጠሙ።
ኦ ግብፂ፥ ኣብ ማእኸልኪ፥ ኣብ ልዕሊ ፈርዖንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣገልገልቱን፥ ተኣምራትን ድንቅን ሰደደ።
እዙይ ከዓ ነቲ ኣብ ግብፃውያን ዘውረድክዎ መዓትን፥ ነቲ ኣብ ማእኸሎም ዝገበርክዎ ምልክታተይን፥ ንደቅኹምን ንደቂ ደቅኹምን ኣብ እዝኖም ክትነግርዎም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ” በሎ።
ስለዙይ ኢደይ ክዝርግሕ እየ፤ በቲ ኣብ ማእኸላ ዝገብሮ ተኣምራት ንግብፂ ኽወቕዓ እየ፤ ብድሕሪኡ ኽሰደኩም እዩ።
ኣነ ግና ንልቢ ፈርዖን ከትርሮ እየ። ኣብ ምድሪ ግብፂ ድማ ምልክታተይን ተኣምራተይን ከብዝሕ እየ።
ግና ሓይለይ ምእንቲ ኸርእየካ፥ ስመይውን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ምእንቲ ኽንገር ኣልዒለካ ኣለኹ።
እቲ ንኽቡር ቅልፅሙ፥ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፥ እቲ ንባዕሉ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኽገብር፥ ንማያት ኣብ ቅድሚኣቶም ዝኸፈለ ኣበይ ኣሎ?
ከምቲ ኸፍቲ ናብ ለሰ ወሪደን ዘዕርፋ፥ ከምኡ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብፅሖም። ንርእስኻ ኽቡር ስም ምእንቲ ኽትገብር ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕኻዮም።
ኣነስ ኵሎም ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ንኣይ ህዝብን ስምን ምስጋናን ክብርን ክኾኑኒ ኢለ፥ ከምታ መዕጠቒት ኣብ ሕቘ ሰብኣይ እትጠብቕ፥ ከምኡ ናባይ ኣጥበቕክዎም፤ ግና ኣይተኣዘዙንን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እዝ ዳንኤል እዙይ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ በዓል ፋርስን የመና ኽቡር ነበረ።
“ሕዚ እውን ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብፂ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውፃእኻ፥ ከምዝ ሎሚ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይውን ስምካ ኽፍለጥ ዝገበርካ ጐይታ ኣምላኽና፥ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና።
ንሱ ኸዓ ኣብ ግብፅን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል፥ ኣብ ምድረ በዳ ምልክትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውፅኦም።”
ነቲ ኣብ ማእኸል ግብፂ፥ ኣብ ንጉስ ግብፂ ፈርዖንን ኣብ ኵላ ሃገሩን ዝገበሮ ምልክታቱን ግብርታቱን ዘክሩ።
ወይ ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኻትኩም ኣብ ግብፂ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፥ መፂኡ ብፈተናን ብምልክትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብብርቱዕ ቕልፅምን ብዓብዪ ግርማን፥ ካብ ማእኸል ካልእ ህዝቢ ንባዕሉ ኽገብሮ ኢሉ ዝወሰዶ፥ ከምቲ ዝገበሮ ኽገብር ዝፈተነ ኻልእ ኣምላኽዶ ኣሎ?
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብፂ፥ ኣብ ፈርዖንን ኣብ ኵሉ ቤቱን፥ ንሕና እናረአና ዓቢይን ዘስካሕክሕ ምልክትን ተኣምራትን ገበረ።
ነቲ ኣዒንትኹም ዝረአያኦ ዓበይቲ መቕሰፍትታትን ምልክታትን ተኣምራትን፥ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብኣኣ ዘውፅአኩም ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልፅምን ኣፀቢቕኩም ዘክሩ። ነዞም ኵሎም እትፈርሕዎም ዘለኹም ኣህዛብ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኽገብሮም እዩ።