14 “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ‘ነዘን ውዕሊ ዝተፅሓፈን ከም ሕግን ውዕልን ዝተሓትመን ቅሉዕን ወሲድካ፥ ብዙሕ ዓመታት ከይተበላሸዋ ምእንቲ ኽፀንሓ ኣብ ውሽጢ ኣቕሓ መሬት ኣንብረን።’
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኪድ፤ ካብቲ ሰራሒ መሬት ሳርማ ዓድግ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝብን ካብቶም ዓበይቲ ኻህናትንውን ንገሊኣቶም ምሳኻ ተማላእ።
ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከዓ ንባሮክ ከምዙይ ዝብል ትእዛዝ ሃብክዎ፦
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፥ ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ክዕድጉ እዮም’ ይብል ኣሎ።”