13 ኣብ ቅድሚ ዅሎም ከዓ ንባሮክ ከምዙይ ዝብል ትእዛዝ ሃብክዎ፦
ኣብ ቅድሚ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መፅሓፍ ውዕሊ ዝተፅሓፉ መሰኻኽርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ገበላ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን፥ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ወዲ መሕሴያ ሃብክዎ።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ‘ነዘን ውዕሊ ዝተፅሓፈን ከም ሕግን ውዕልን ዝተሓትመን ቅሉዕን ወሲድካ፥ ብዙሕ ዓመታት ከይተበላሸዋ ምእንቲ ኽፀንሓ ኣብ ውሽጢ ኣቕሓ መሬት ኣንብረን።’