10 ነቲ ውዕሊ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፈ ፊርማይ ኣንበርኩ፤ ምስክር ፀዊዐ ድማ ነቲ ቕርሺ ብሩር ብሚዛን መዘንኩሉ።
ኣብርሃም ከዓ ነቲ ኤፍሮን ደቂ ኬጢ እናሰምዑ ዝተዛረቦ ዋጋ ሰሚዑ፥ በቲ ሽዑ ዝነበረ ሸርፊ፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ብሩር መዘነሉ።
እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ፥ ካብ ደቂ ኬጢ ናብ ኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኮይና ፀንዐት።
ምትሕልላፈይ ኣብ ውሽጢ ኸረጢት ተሓቲሙ እዩ፤ ንሓጢኣተይውን ለቢጥካዮ ኣለኻ።”
ፍቕሪ ኸም ሞት ሓያል እያ፤ ቅንኣትውን ከም ሲኦል ጨካን እዩ፤ ረስና ኸም ሓዊ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፥ ከም ማዕተብ ኣብ ቅልፅምካ ኣንብረኒ።
እምበኣር ኪድ እሞ “ኣብ ቅድሚኣቶም ኣብ ሰሌዳ ፀሓፎ፤ ንዝመፅእ ዘመንን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ምእንቲ ኽነብር፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፎ” በለኒ።
“እቲ ሓደ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኽብል እዩ፤ እቲ ሓደ ብስም ያእቆብ ክስመ እዩ፤ እቲ ሓደ ድማ ‘ናይ እግዚኣብሄር እየ’ ኢሉ፥ ኣብ ኢዱ ኽፅሕፍ እዩ፤ ብናይ እስራኤል ስም ቅብጥሮትውን ክፅዋዕ እዩ።”
ኣብ ቅድሚ ኣናምኤል ወዲ ሓው ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ መፅሓፍ ውዕሊ ዝተፅሓፉ መሰኻኽርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብ ገበላ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣይሁድን፥ ንባሮክ ወዲ ኔርያ ወዲ መሕሴያ ሃብክዎ።
ኦ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ እታ ኸተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ተውሂባ እንተላስ፥ ንስኻ ‘ግራት ብገንዘብ ዓድግ ምስክር ከዓ ሓዘሉ’ በልካኒ።”
ኣነ ነቶም ምሩኻቶም ክምልሰሎም እየሞ፥ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ደጕዓን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ኔጌብን፥ ገራሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፤ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልውን፥ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ተፅሒፉ ኽሕተም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቲ ዝተውሃበካ ናይ ምሸትን ጊሓትን ራእይ ሓቂ እዩ። እዝ ራእይ እዙይ፥ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ክፍፀም እዩ እሞ፥ ምስጢር ጌርካ ሕተሞ።”
ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማሕተም ሓቲሞም፥ ነቲ መቓብር ብወታደራት ኣፅኒዖም ኣሐለውዎ።
እቲ ንምስክርነቱ ዝተቐበለ ግና፥ እግዚኣብሄር ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ኣረጋገፀ።
እምበኣር ምእንቲ እቲ ሓላፊ ምግቢ ዘይኮነስ፥ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም፥ ንዘለኣለም ህይወት ዝኸውን ምግቢ ፀዓሩ። ንእኡስ እግዚኣብሄር ኣብ፥ ሓቲምዎ እዩሞ።” በሎም።
ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን፥ መፈለጥታ ዝገበረልናን፥ ኣብ ልብናውን መተኣማመኒ መንፈስ ቅዱስ ዝሃበናን፥ እግዚኣብሄር እዩ።
ንስኻትኩምውን፥ ነቲ ናይ ምድሓንኩም ቃል ሓቂ ዝኾነ ወንጌል ምስ ሰማዕኹም፥ ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፥ በቲ ዘተስፈዎ መንፈስ ቅዱስ ሓቲሙ፥ ናቱ ገበረኩም።
ንመዓልቲ ድሕነትኩም እተሓተምኩምሉ፥ ነቲ ቕዱስ ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ፥ ኣይተሕዝንዎ።
እዙይ ኣባይ ተዓቚሩዶ ኣይኮነን? ኣብ መዝገበይ ከዓ ተሓቲሙዶ ኣይኮነን?
እቶም ሰባት ከዓ ኸይዶም ነታ ሃገር ዞርዋ፤ በብኸተማ ድማ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ መቒሎም፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፍዋ፤ ናብ ሴሎ ናብቲ ኢያሱ ዝሰፈሮ ድማ ተመለሱ።
ንዘለኣለም ህያው ናይ ዝኾነ ማሕተም ዝሓዘ፥ ካልእ መልኣኽ፥ ካብ ምብራቕ ክወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ኸዓ፥ ነቶም ንምድርን ንባሕርን ክጐድኡ ስልጣን ዝተውሃቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ብብርቱዕ ድምፂ ፀውዖም እሞ፥
ነቲ ኣንበጣውን “ነቶም ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም እግዚኣብሄር ዘይብሎም ሰባት ጥራሕ ደኣ እምበር፥ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፥ ንሳዕሪ ወይ ንዅሉ ዝለምለመ፥ ወይ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም” ተብሂሉ ተነገሮ።
ቦኤዝ ድማ ናብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ኸይዱ ኾፍ በለ። እንሆ ከዓ፥ እቲ ቦኤዝ ብዛዕባኡ ዝተዛረበሉ ናይ ቀረባ ዘመድ ይሓልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ ፀዊዑ “ኣግልስ እሞ ቕርብ ኢልካ ኣብዙይ ተቐመጥ” በሎ። ንሱ ኸዓ ቕርብ ኢሉ ተቐመጠ።