9 እናበኸዩ ኽመፁ እዮም፤ ብምፅንናዕ ክመርሖም እየ፤ ብዘይዕንቀፉላ ቕንዕቲ መንገዲ፥ ናብ ወሓዚ ማይ ክመርሖም እየ፤ ኣነ ንእስራኤል ኣቦ እየሞ፥ ኤፍሬም ከዓ በዅሪ ወደይ እዩሞ።
ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ጉባኤ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ እናበለ ኣመስገኖ፦ “ኦ እግዚኣብሄር! ኣምላኽ ኣቦና ያእቆብ፥ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ምስጉን ኩን።
ናብታ ዝነብሩላ ኸተማ ክኸዱ፥ ብቕኑዕ መንገዲ መርሖም።
ኣብ ዝለምለመ ሰውሒ የሕድረኒ፤ ናብ ማይ ዕረፍቲ ይመርሐኒ።
ኣነውን በዅረይ ክገብሮ እየ፤ ንሱ ኻብ ነገስታት ምድሪ ልዑል እዩ።
ንንጉስ ፈርዖን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ።
“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።
እቲ ዝሓረኽዎ ህዝበይ ምእንቲ ኽሰቲ፥ ማይ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝውን ኣብቲ ምድሪ ኣፃምእ ክህብ እየሞ፥ እንስሳ በረኻን፥ ወኻርያን ሰገንን ከዓ፥ ከኽብሩኒ እዮም።
እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ፥ ፈጣሪኡ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዛዕባ እቲ ዝመፅእ ጠይቑኒ፤ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ።
“ንሱውን፦ ፅረጉ፤ ፅረጉ፤ መንገዲ ኣዐርዩ፤ ካብ መንገዲ ህዝበይ መዐንቀፊ ኣርሕቑ ይብል።
እቲ ኸም ኣብ ምድረ በዳ ዝሓልፍ ፈረስ፥ ኣብ ዓሚቝ ማያት ባሕሪ ኸይተዓንቀፉ ኽሓልፉ ዝገበረ ኣበይ ኣሎ?”
ኣቦና ንስኻ ኢኻ፤ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን እዩ፤ እስራኤልውን ኣየለልየናን እዩ። ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ስምካ ኸዓ፥ ካብ ዘለኣለም ተቤዛዊና እዩ።
ሕዚ ግና፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፤ ንሕና መሬት ኢና፤ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፤ ኵልናውን ስራሕ ኢድካ ኢና።
“ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅ ምሩፅ ምድሪ ርስቲ ኣህዛብ፥ ክህበኪ እየ ኢለ ነበርኩ። ንስኺ እውን ‘ኣቦይ’ ኢልኪ ኽትፅውዕኒ፥ ንኣይ ካብ ምኽታልውን፥ ኣይትምለስን ኢለ ነበርኩ።”
“ሕዚ ኸዓ እንሆ ‘ኣቦይን መሓዛ ንእስነተይን ንስኻ ኢኻ፤ ኢልኪዶ ትፅውዕኒ ኣየለኽን?
“ብሓቂ ኤፍሬም ንኣይ ዝኸበረ ውሉድ ድዩ? ወይ ከዓ ዝተፈተወ ህፃን ድዩ? ኣንፃሩ ብዝተናገርኩ ቝፅሪ እዝክሮ ኣለኹ፤ ስለዙይ ኣምዑተይ ተሃወኸትሉ፤ ርህራሀውን እርህርሀሉ ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ሓቢሮም ክመፁ እዮም፤ እናበኸዩ ክኸዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ክደልዩ እዮም።
ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ በኽዩ ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳና ተነጋገረ።
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
“ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን፥ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን፥ መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ። ንሳቶም ድማ ንእኡ፥ ነቲ ዝወግኡዎ ኽጥምቱ እዮም፤ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኽበኽዩሉ፥ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም።
ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?
ሰራዊት ኤፍሬም ብወገን ምዕራብ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማኣቶም ይስፈሩ። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሳማ ወዲ ዓሚሁድ እዩ።
እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገዱውን ኣቕንዑ’ ኢሉ፥ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ” ተብሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሃንስ እዩ እሞ።
ዝሓዝኑ ብፁኣን እዮም፤ ምፅንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ።
“ንስኻትኩምስ ክትፅልዩ እንተለኹም ከምዙይ በሉ፦ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ ስምካ ይቀደስ፤ መንግስትኻ ትምፃእ፤
ኣቱም ሕዚ እትበኽዩ፥ ክትስሕቑ ኢኹም እሞ፥ ብፁኣን ኢኹም።
መንፈስ [ቅዱስ] ብድኻምና ይሕግዘና እዩ፤ ከመይ ጌርና ኽንፅሊ ኸም ዝግብአና፥ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ስለዙይ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝማልደልና።
ኣቦ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ክትኮኑኒ ኢኹም’ይብል፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።
“ንስኻትኩም ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፥ ብሓዘን ሰብነትኩም ኣይትፃሕብሩ፥ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ።
ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፥ ንእግዚኣብሄርዶ እዙይ ትፈድዮ? እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻኸ ንሱዶ ኣይኮነን? ዝፈጠረካን ዘቖመካን ንሱዶ ኣይኮነን?”
“ዝሕንክስ ክሓዊ እምበር፥ ዝገደደ ምእንቲ ኸይዘናበልስ፥ ነእጋርኩም ቅኑዕ መንገዲ ግበሩ።”
ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተፅሓፈ፥ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን፥ ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም።
ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።
እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።