8 እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ከምፅኦም፥ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ምስኣቶም ድማ ዕዉርን ሓንካስን ጥንስትን፥ ቅልውላው ሕርሲ ዝተትሓዘትን ሓቢሮም፥ ዓብዪ ህዝቢ ኾይኖም ናብዙይ ክምለሱ እዮም።
ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን፥ ካብ ሰሜንን ካብ ባሕርን ከካብ ሃገሩ ኣከቦም።
ቤተ መቕደስካ ቅዱስ እዩ፤ ብፅድቅውን ዘደንቕ እዩ፤ ኣብ ኵሉ ወሰን ምድርን ኣብ ውሽጢ ርሑቕ ባሕርን፥ ንዘለዉ ዅሎም ተስፋኦም ዝኾንካ፥ ኦ ኣምላኽናን መድሓኒናን ስምዐና።
ንያእቆብ ምሕረቱ፥ ንቤት እስራኤልውን ሓቁ ዘከረ፤ ኵሎም ኣብ ወሰናት ምድሪ ዘለዉ፥ ምድሓን ኣምላኽና ረአዩ።
ንሱ ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ የውፍረን፤ ንመሓሲኡ ኣኪቡ ኣብ ሕቝፉ ይስከመን፤ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ይመርሐን።
“ንዕዉራት ብዘይፈልጥዎ ጐደና ኸምፅኦም እየ፤ ብዘይፈልጥወን መንገድታትውን ክመርሖም እየ፤ ንፀልማት ኣብ ቅድሚኣቶም ብርሃን ክገብሮ እየ፤ ንዝቐይነነውን ከቕንዖ እየ። እዙይ ክገብረሎም እየ፤ ኣይሓድጎምንውን እየ።
ንሰሜን ‘ኣምፅእ’፥ ንደቡብ ከዓ ‘ኣይትኽላእ’ ክብሎ እየ። ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፥ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፥
“ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥ ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝተቐደሰ ቅልፅሙ ኸርኢ እዩ፤ ኵሎም ኣብ ወሰን ምድሪ ዘለዉ፥ ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም።
ግና ‘እቲ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገርን ዝመለሰ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዝበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣነ ነተን ተረፍ ኣባጊዐይ፥ ካብ ኵሉ ዝሰጐጕክወን ሃገር ክእክበን እየ። ናብ መውፈሪአን ከዓ ኽመልሰን እየ። ኣብኡ ኸዓ ኽፈርያን ክበዝሓን እየን።
ግና ‘እቲ ንህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን፥ ካብ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገራትን፥ ዘውፅኦምን ዝመርሖምን፥ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ኢሎም ዝምሕሉሉ ዘመን ክመፅእ እዩ። ሽዑ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ እዮም።”
ክርከበልኩም፥ ንምርኮኹም ከዓ ኽምልሶ እየ። ካብ ኵሎም እቶም ናብኣቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ኽእክበኩም እየ፤ ናብታ ተማሪኽኩም ክትከዱ እንተለኹም ዝሓደግኩምዋ ምድሪ ኽመልሰኩም እየ።”
ኪድ እሞ ንሰሜን ወገን ነዘን ቃላት እዚኣተን ተናገር፤ በልውን፦ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፥ ተመለሲ፤ ኣነ መሓሪ እየሞ፥ ንዘለኣለም ኣይቝጣዕን እየሞ፥ ገፀይ ኣየትርረልክን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
በተን ወርሓት እቲኣተን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክኸዱ፥ ሓቢሮም ድማ ኻብ ሃገር ሰሜን፥ ናብታ ነቦታትኩም ክወርስዋ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽመፁ እዮም።”
ብብርቱዕ ኢድን ብዝተዘርግሐት ቅልፅምን ብዝተኽዓወ መዓትን፥ ካብቶም ኣህዛብ ከውፅአኩም፥ ካብቲ እተበተንኩምዎ ሃገራትውን ክእክበኩም እየ።
ካብ ኣህዛብ ምስ ኣውፃእኹኹም፥ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፥ ከም ምዑዝ ሽታ ኽቕበለኩም፥ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣህዛብ ከዓ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ።
ከምቲ ጓሳ በታ እተን መጓሰኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ፥ ኣብ ማእኸል ኣባጊዑ ፀኒሑ ዝደልየን፥ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፥ ካብ ኵሉ እቲ ብመዓልቲ ደመናን ፀልማትን ፋሕ ኢለናኦ ካብ ዝነበራ ቦታ ኸዓ ኸናግፈን እየ።
ካብ ኣህዛብ ከውፅአን፥ ካብ ሃገራት ክእክበን፥ ናብ ሃገረን ድማ ኽመልሰን፥ ኣብ እምባታት እስራኤልን፥ ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ፥ ኣብቲ ሰብ ዝነብረሉ ዅሉ ቦታ እታ ምድርን ክጓስየን እየ።
“ዝጠፍአት ክደሊ፥ እተባረረት ክመልስ፥ እተሰብረት ክፅግን፥ ዝደኸመት ከዓ ኸበርትዕ፥ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ኸጥፍእ፥ ብፍትሒውን ክጓስየን እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ሓንካስ ክእክባ እየ፤ ነታ ዝተሰጐጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ክእክባ እየ።
እንሆ፥ በቲ ጊዜ እቱይ፥ ኵሎም ነቶም ዝጭቁኑኹም ክፃረሮም እየ፤ ነቶም ዝሓንከሱ ኸድሕኖም፥ ነቶም ዝተሰደዱ ኸዓ ኽእክቦም እየ፤ ኣብቲ ዅሉ ዝሓፈሩሉ ምድሪ፥ ንምስጋናን ንዝኸበረ ስምን ክገብሮም እየ።
“ኣነ ኸምቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ በቲነኩም እየሞ፥ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሕዚ ግና ተስኡ! ተስኡ! ካብ ሃገር ሰሜን ህደሙ” ይብል እግዚኣብሄር።
ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብፅሕ ንቕጥቁጥ ሻምበቆ ኣይሰብርን፤ ንዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ።
ምስ በልዑ ድማ፥ ኢየሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ “ስምኦን ወዲ ዮና፥ ካብዚኣቶም ኣብሊፅካዶ ትፈትወኒ ኢኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታ፤ ኣነ ኸም ዝፈትወካ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። ኢየሱስ ከዓ “መሓሲአይ መግብ” በሎ።
ሓደ ሰብ፥ ፍልጠት ንዘለካ ንኣኻ፥ ኣብ ቤት ጣዖት ተቐሚጥካ እንተ ረአየካ፥ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ንምብላዕዶ ኣይምደፈረን?
እቶም ሰጐጕትኹም ክሳዕ ወሰን ምድሪ እኳ እንተ ኣብፅሑኹም፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብኡ ኽእክበኩም እዩ፤ ካብኡውን ከምፅአኩም እዩ።
ኣቱም ኣሕዋትና፥ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝነብሩ ገስፅዎም፤ ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።
ስለዙይ፥ ዝደንዘዙ ኣእዳውን ዝደኸሙ ኣብራኽን ኣፅንዑ።
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ስለዙይ ብድኻምና ኽርህርሀልና ዘይኽእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።