16 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድምፅኺ ኻብ ብኽያት፥ ኣዒንትኺውን ካብ ንብዓት ከልክሊ” ድኻምኪ ዓስቢ ኣለዎ እዩሞ፥ ደቅኺ ኻብ ምድሪ ፀላኢ ኽምለሱ እዮም።
ገፁ ተሓፂቡውን ወፀ። ንባዕሉ ኣረጋጊኡ ድማ “እንጀራ ኣቕርቡ” በለ።
ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ክዕገስ ኣይከኣለን። ዓው ኢሉ ኸዓ “ንዅሎም ሰባት ካብዙይ ኣውፅኡለይ” በለ። ስለዙይ ነሕዋቱ ኽላለዮም እንተሎ፥ ሓደ ሰብ እኳ ምስኡ ኣይነበረን።
ንስኻትኩም ግና ዓስቢ ስራሕኹም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ፅንዑ፤ ኢድኩም ኣይላሕልሕ።”
እቶም ብንብዓት ዝዘርኡ፥ ብታሕጓስ ይዓፅዱ።
ቍጥዓኡ ንሓፂር ጊዜ እዩ፤ ሞገሱ ግና ንምሉእ ዕድመ እዩ፤ ምሸት ብኽያት ይኸውን፤ ንግሆ ግና ሓጐስ ይኸውን።
ኣምላኽ ግብርኻ ተቐቢልዎ ስለ ዝኾነ፥ ኪድ እንጀራኻ ደስ ኢሉካ ብላዕ፤ ወይንኻውን ብሕጕስ ልቢ ስተ።
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
ኣታ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ፅዮን እትነብር ህዝቢ! ኻብ ደጊም ኣይትበክን ኢኻ። ናብኡ ኽተእዊ እንተለኻ ኽርህርሀልካ እዩ፤ ምስ ሰምዐካውን ክምልሰልካ እዩ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ብሓይሊ ይመፅእ፤ ብቕልፅሙ ድማ ይገዝእ፤ እንሆ ዋጋኡ ምስኡ እዩ፤ ስራሑውን ኣብ ቅድሚኡ እዩ።
ኣነ ነተን ተረፍ ኣባጊዐይ፥ ካብ ኵሉ ዝሰጐጕክወን ሃገር ክእክበን እየ። ናብ መውፈሪአን ከዓ ኽመልሰን እየ። ኣብኡ ኸዓ ኽፈርያን ክበዝሓን እየን።
ክርከበልኩም፥ ንምርኮኹም ከዓ ኽምልሶ እየ። ካብ ኵሎም እቶም ናብኣቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ኽእክበኩም እየ፤ ናብታ ተማሪኽኩም ክትከዱ እንተለኹም ዝሓደግኩምዋ ምድሪ ኽመልሰኩም እየ።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ምርኮ ድንኳን ያእቆብ ክምልስ እየ፤ ንመንበሪኡውን ክርህርሀሉ እየ፤ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት፥ ክትህነፅ እያ፤ እቲ ኣዳራሻውን ከም ቅድሙ፥ መንበሪ ሰብ ክኸውን እዩ።
እንሆ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን፥ ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ክመልሶም እየ፤ ንሳቶምውን ክወርስዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ምርኮ ይሁዳን ምርኮ እስራኤልን ክመልስ እየ፤ ከም ቀደም ከዓ ኽሃንፆም እየ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ እንሆ ኣነ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፥ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ምድሮምውን ከእትዎም እየ።
ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን ዓባይ መዓልቲ ኽትከውን እያ።
ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ።
ብዘይ እምነት ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምሕጓስ ኣይከኣልን እዩ፤ እቲ ዅሉ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ፥ እግዚኣብሄር ከም ዘሎን፥ ነቶም ዝደልይዎ ኸዓ፥ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።
ነቲ ዝገበርክዮ ፅቡቕ ተግባር እግዚኣብሄር ዋጋኺ ይኽፈልኪ፤ ዓስብኺ ኸዓ ኻብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኽትፅግዒ ኢልኪ መፂእኽዮ ዘለኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ምሉእ ይኹን” በላ።