13 ሽዑ እታ ድንግል ብጐይላ ባህ ክብላ እዩ፤ ኣጓብዝን ኣረጋውያንንውን፥ ሓቢሮም ክሕጐሱ እዮም፤ ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክልውጦ እየ፤ ከፀናንዖምውን እየ።
እግዚኣብሄር፥ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፥ ንምስራሕ ኣእዳዎም ከፅንዕ ኢሉ፥ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናብኣቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፥ በዓል ቅጫ ሸውዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣኽበሩ።
ቅፅሪ ኢየሩሳሌም፥ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብፀናፅልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጐስ ምእንቲ ኽምርቕዎ፥ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኵሉ ቦታኦም ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመፁ ገበርዎም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ብዙሕ መስዋእቲ ሰውኡ፤ ኣምላኽ ዓብዪ ሓጐስ ኣሐጒስዎም ስለ ዝነበረ ደስ በሎም፤ እተን ኣንስትን እቶም ቆልዑን ከዓ ተሓጐሱ፤ ሓጐስ ኢየሩሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዐ።
እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ኣይሁድ ካብ ፀላእቶም ዝዓረፉለን መዓልቲታት እየን። እዝ ወርሒ እዙይ ከዓ፥ ካብ ሓዘን ናብ ሓጐስ፥ ካብ ብኽያት ናብ ፅቡቕ ዝተለወጠሉ ዕለት እዩ። ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን መዓልቲታት ድግስን ሓጐስን ክገብርወን፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶታት ክወሃሃቡ፥ ንድኻታት ድማ ምፅዋት ክምፅውቱ ኣዘዞም።
እቶም ብንብዓት ዝዘርኡ፥ ብታሕጓስ ይዓፅዱ።
ኣጓብዝን ደናግልን፥ ዓበይትን ህፃናትን፥
ንስሙውን ብስዕስዒት የመስግኑ፤ ብኸበሮን ብመሰንቆን ይዘምሩሉ።
ክብረይ ክትዝምረልካ፥ ስቕውን ከይትብልስ፥ ንብኽያተይ ናብ ታሕጓስ ለወጥካለይ፤ ወጮይ ቀንጢጥካ ታሕጓስ ኣዕጠቕካኒ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ኦ እግዚኣብሄር! ተቘጢዕኻኒ ኔርካ፤ ግና ቝጥዓኻ ኻባይ መሊስካ ኢኻሞ፥ ኣፀናኒዕኻኒ ኢኻሞ፥ አመስግነካ ኣለኹ።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ፥ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክመፁ እዮም፤ ኣኽሊል ዘለኣለማዊ ደስታ ኸዓ፥ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፤ ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ።
“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤ ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤ ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥ ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥ ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥ ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”
መዓልቲታት ሓዘንኪ ኽውድኣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄርውን ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፥ ክኸውን እየ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤ ወርሕኺውን ኣይጐድልን።
ነታ ፍትውቲ ዓመት እግዚኣብሄርን፥ ኣምላኽና ሕነ ዝፈድየላ መዓልትን፥ ክእውጅ፥ ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ።
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
ኦ ድንግል እስራኤል፥ መሊሰ ኽሃንፀኪ እየ፤ ንስኺውን ክትህነፂ ኢኺ፤ ከም ብሓድሽ እውን ከበሮኺ ኣልዒልኪ ምስቶም ደረፍቲ ኽትወፂ ኢኺ።
ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እቶም ናይ ራብዓይ ወርሒን ናይ ሓምሻይን ናይ ሻውዓይን ናይ ዓስራይን ወርሒ ኣፅዋማት፥ ንህዝቢ ይሁዳ በዓላት ሓጐስን ደስታን ፍስሃን ክኾኑ እዮም። እምበኣር ሓቅን ሰላምን ፍተዉ።”
ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን።
እንሆ ኸዓ፥ እተን ኣጓላት ሴሎ እናሳዕስዓ እንትወፃ ምስ ረአኹም፥ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይንታት ወፂእኹም፥ ካብተን ኣጓላት ሴሎ ሓሓንቲ ዘርፉ፤ ናብ ምድሪ ብንያም ከዓ ኺዱ።