12 ንሳቶም ክመፁ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፥ ናብ እኽልን ናብ ወይንን ናብ ዘይትን፥ ናብ ኣባጊዕን ናብ ኣላሕምን ክእከቡ እዮም። ነፍሶም ከም ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፤ ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም።
ይቕረታ ብኣኻ እዩሞ።
ቈፅላ ኸም ዝፀምለወ ኦምን፥ ማይ ከም ዘይብሉ ኣታኽልትን ክትኮኑ ኢኹም።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ፥ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክመፁ እዮም፤ ኣኽሊል ዘለኣለማዊ ደስታ ኸዓ፥ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፤ ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ።
ስምዒ! እግዚኣብሄር ናብ ፅዮን ክምለስ እንተሎ፥ ዓይኒ ንዓይኒ ኽሪኡዎ እዮም እሞ፥ እቶም ሓለውትኺ ብሓባር ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብሓድነት ክዝምሩ እዮም።
እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኽመርሐካ፥ ብሰናይ ነገራት ንነፍስኻ ኸፅግብ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ኸበርትዖ እዩ፤ ንስኻ ኸዓ፥ ማይ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን፥ ከምቲ ማዩ ዘይነፅፍ ዓይኒ ማይን፥ ክትከውን ኢኻ።
መዓልቲታት ሓዘንኪ ኽውድኣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄርውን ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፥ ክኸውን እየ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤ ወርሕኺውን ኣይጐድልን።
ኣነ ድማ ብኢየሩሳሌም ክሕጐስ፥ ብህዝባውን ደስ ክብለኒ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኣብኣ ድምፂ ብኽያትን፥ ድምፂ ኣውያትን ኣይስማዕን እዩ።
“ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፥ ኣነ ጐይታኹም እየ፤ ከካብ ከተማ ሓደ፥ ከካብ ስድራ ቤት ክልተ፥ ኣምፂአ ናብ ፅዮን ከእትወኩም እየ እሞ ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኵሉ ሃገርን፥ ምስ ሓረስቶትን ምስቶም መጓሰ ሒዞም ዝዞሩን ዝነብሩን ሰባት ክርከቡ እዮም።
ንዝደኸመት ነፍሲ ኣርውየ ኣለኹሞ፥ ንዝሓዘነት ነፍሲ ድማ ኣፅጊበ ኣለኹሞ።
ኦ ድንግል እስራኤል፥ መሊሰ ኽሃንፀኪ እየ፤ ንስኺውን ክትህነፂ ኢኺ፤ ከም ብሓድሽ እውን ከበሮኺ ኣልዒልኪ ምስቶም ደረፍቲ ኽትወፂ ኢኺ።
እቶም ኣብ እምባታት ኤፍሬም ዘለዉ ሓለውቲ “ንዑናይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ናብ ፅዮን ንደይብ” ኢሎም ዝፅውዑላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለ ያእቆብ ብደስታ ዘምሩ፤ ስለ እቲ ሓለቓ ኣህዛብ ዕልል በሉ፤ ዓው ኢልኩም ምስጋናኹም ኣስምዑ፤ እግዚኣብሄር፥ ንተረፍ ህዝብኻ እስራኤል ኣድሕን” በሉ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፥ ‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣባይትን ገራሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከም ብሓድሽ ክዕድጉ እዮም’ ይብል ኣሎ።”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዛ ሰብን እንስሳን ዘይብላ ስፍራን፥ ኣብ ኵለን ከተማታታን ከም ብሓድሽ፥ መሕደሪ እቶም መጓሰታቶም ዘስፍሩ ጓሶት ክኸውን እዩ።
ኣብ ደጕዓ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ቈላ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ደቡብ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ይሁዳ ኣብ ዘለዋ ኸተማታት፥ እተን መጓሰታት መሊሰን ብትሕቲ ኢድ እቲ ተቘፃፃሪአን ክሓልፋ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ክተኽላ እየ፤ ክትጭንፍርን ክትፈርን ግሩም ዝኾነት ፅሕዲውን ክትከውን እያ፤ ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወንን ኣብ ትሕቲኣ ኽነብራ፥ ኣብ ትሕቲ ፅላል ጨናፍራውን ይሰፍራ እየን።
ኣብቲ ቕዱስ እምባይ ኣብቲ በሪኽ እምባ እስራኤል ኵሎም ቤት እስራኤል፥ ኣብታ ምድሪ ኸምልኹኒ እዮም፤ ኣብኡ ተሓጕሰ ኽቕበሎም እየ፤ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ በዅሪ እቶት መባእኹምን ምስ ኵሉ እተቐደሰ ነገርኩም ክደልዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ ኸውፍረን እየ፤ ደምበአን ከዓ ኣብቲ ነዋሕቲ እምባታት እስራኤል ክኸውን እዩ፤ ኣብኡ ኣብ ፅቡቕ ደምበ ኽዔማ፥ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ፥ ኣብ እምባታት እስራኤል ክጓሰያ እየን።
ድሕሪዙይ ኣብ ማእኸል ህዝብታት፥ ፀርፊ ጥሜት ከይትፆሩስ፥ ንፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ።
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፤ እምባታት ሓድሽ ወይኒ ኸንጠብጥቡ፥ ኰረብታታት ድማ ፀባ ኸውሕዙ፥ ካብ ኵሉ ሩባታት ይሁዳ ኸዓ ማያት ከውሕዙ እዮም፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ክትፍልፍል፥ ንለሰ ሰጢም ድማ ኽተስቲ እያ።
እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ? ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውሊዕን፥ ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን፤ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ግና ኽባርኸኩም እየ።”
ግና ሰላም ክዘርእ እየ፤ ወይኒ ፍረኡ ኽህብ እዩ፤ ምድሪ ኸዓ በቍላ ኽትህብ እያ፤ ሰማያት ድማ ጠሊ ኽህቡ እዮም። ነቶም ዝተረፉ ህዝበይ፥ ነዝ ዅሉ ኸውርሶም እየ።
ከምኡውን ንስኻትኩም፥ ሕዚ ሓዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ኽሪአኩም እየ፤ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ፥ ካባኻትኩም ዝወስዶ የለን።
ወይ ከዓ ብዝሒ ሕያዋይነቱን ትዕግስቱን ዓቕሉንዶ፥ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሄር፥ ናብ ንስሃ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል፥ ኣይትፈልጥን ዲኻ?
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።