Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 30:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 “በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፦ ነቲ ኣብ ክሳዶም ዘሎ ኣርዑት ክሰብሮ እየ፤ ነቲ መእሰሪኦምውን ክበትኮ እየ። ድሕሪ ደጊም ባዕዳን ኣይገዝእዎምን እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 30:8
16 Referencias Cruzadas  

ካብ ፀልማትን ካብ ፅላሎት ሞትን ኣውፅኦም፤ መዋቕሖም ከዓ ሰባበረ።


በታ መዓልቲ እቲኣ ፆሩ ኻብ ማእገርኩም፥ ነርዑቱ ድማ ኻብ ክሳድኩም፥ ከውርዶ እዩ። እቲ ኣብ ክሳድኩም ዘሎ ኣርዑት ከዓ፥ ካብ ምርጓዱ ዝተልዓለ ኽስበር እዩ” ይብል ኣሎ።


እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ፤ ንእስራኤል ድማ ኽሓርዮ እዩ። ኣብ ሃገሮም ከዓ ኸንብሮም እዩ፤ ጓኖት ከዓ ምስኡ ኽሕወሱ እዮም፤ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም።


ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰብሮ እየ፤ ኣብ እምባታተይ እውን ክረግፆ እየ። ኣርዑቱውን ካብ ልዕሊኣቶም ክለዓል፥ እቲ ሸኽሚውን ካብ ማእገሮም ክወርድ እዩ።


እግዚኣብሄር ካብ ፃዕርኻን ካብ መከራኻን፥ ካብቲ ኣብኡ ኣቲኻዮ ዝነበርካ ፅኑዕ ባርነትን በታ መዓልቲ ኸዕርፈካ እዩ።


ከምቲ ቐደም ኣብ ምድያም ዝኾነ፥ ነቲ ዝኸበዶም ኣርዑትን፥ ነቲ ኣብ ማእገሮም ዝነበረ በትርን፥ ንዘንጊ መጨነቒኡን ሰበርካዮ።


ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።


ህዝባውን ብዙሓት ኣህዛብን ዓበይቲ ነገስታትን ንኣኣቶም ክገዝእዎም እዮም፤ ኣነውን ከም ግብሮምን ከም ስራሕ ኢዶምን ክኸፍሎም እየ።”


“ኣርዑትን መእሰርን ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ።


ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።


ሽዑ ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ሰበሮ።


“ናብ ሃናንያ ኺድ እሞ ‘ንስኻ ኣርዑት ዕንፀይቲ ሰበርካ፤ ክንድኡ ግና ኣርዑት ሓፂን ክሰርሕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየሞ፥ ንኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ንዅላቶም ናብ ባቢሎን ዝተወሰዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”


ኣርዑት ግብፂ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፥ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፥ ኣብ ጣፍናስ፥ መዓልቲ ኽትፅልምት እያ፤ ደመናውን ከጐልብባ እዩ፤ ኣዋልድ ደቃ ድማ ኽማረኻ እየን።


ኦም በረኻ ፍረኡ ኸፍሪ እዩ፤ ምድሪ እውን በቝላ ኽትህብ እያ። ኣብ ምድሮም ከዓ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፤ ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፥ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከዓ ምስ ኣናገፍክዎም፥ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።


ሕዚ ድማ ነቲ ኣርዑቱ፥ ካባኻ ኽሰብሮ እየ፤ ንእስራትካ ኸዓ ኽበታትኾ እየ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos