7 እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”
ሽዑ ያእቆብ የመና ፈርሐ፤ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነበሩ ሰባትን ኣባጊዕን ኣጣልን ከፍትን ኣግማልን ኣብ ክልተ ኽፋል ከፈሎም፤
ኦ ጐይታ፥ ንእስራኤል ካብ ኵሉ መከራኡ ኣድሕኖ።
ናይ ፃድቃን መከራ ብዙሕ እዩ፤ እግዚኣብሄር ግና ኻብ ኵሉ የድሕኖም።
በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝቢ ‘እንሆ እቶም ካብ ንጉስ ኣሶር ከድሕኑና ናብኣቶም ዝሃደምናዮ ተስፋና እዙይ ኮነ፤ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና?’ ኽብሉ እዮም።”
ተስፋ እስራኤል ንስኻ በይንኻ ኢኻ፤ ብጊዜ ጭንቂ እተድሕነናውን ንስኻ ኢኻ፤ ስለ ምንታይ ደኣ ኣብዛ ሃገር፥ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራሕ ዝሓድር፥ ሓላፊ መንገዲ ጋሻ እትኸውን?
ገፆም ዘይኮነስ ዝባኖም ሂቦምኒ እዮም እሞ፥ ንኦም “ንስኻ ኣቦይ ኢኻ” ንእምኒ ድማ “ንስኻ ወለድካኒ” ይብሉ፤ ብጊዜ መከራኦም ግና “ተስእ እሞ ኣድሕነና” ይብሉኒ።
“ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ።
“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
ላሜድ። “ኵልኹም ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲ፥ እዙይ ኣባኻትኩም ዝኾነ የለንዶ? እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጕሁር ቍጥዓኡ፥ ነኣይ ኸም ዝቐፅዐኒ፥ ከምቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ ስቓይ ዝተቐበለ እንተሎ ኸዓ፥ ንዑ ረአዩ፤ ተመልከቱውን።”
ሜም። ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብዛዕባኺ እንታይ ክምስክር እየ? ብመንከ ኽምስለኪ እየ? ኣቲ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ኣነ ኸፀናንዐኪ ብምንታይ ከመዓራርየኪ እኽእል? ስብራትኪ ኸም ባሕሪ ዓሚቝ እዩ፤ መንከ ኸሕውየኪ ይኽእል?
ዋው። ሓጢኣት ህዝበይ፥ ዝኾነ ኢድ እንተይነኽኣ፥ ካብ ሓጢኣት እታ ብቕፅበት ዝተገልበጠት ሰዶም ይዓቢ።
“በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓብዪ ናይ መከራ ጊዜ ክኸውን እዩ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ፥ ካብ ህዝብኻ፥ እቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዝተረኽበ፥ ክድሕን እዩ።
ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ መራሕትናን ከም እትገብሮ ዝተነግረ፥ ኣባና ኣውረድካዮ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝወረደስ፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ከምኡ ዝበለ ፈፂሙ ኣይተገብረን።
ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን፥ ብሓድነት ክእከቡ እዮም፤ ንኣኣቶም ከዓ ሓደ ሓለቓ ኽመርፁ እዮም፤ ካብታ ምድሪ እውን ክወፁ እዮም። መዓልቲ ኢይዝራኤልውን ዓባይ መዓልቲ ኽትከውን እያ።
መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላሞ፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ወዮ! ንሳውን ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ጥፍኣት ክትመፅእ እያ።
ኣቱም ኣረጋውያን፥ እዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ዅልኻትኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ይበል። እዙይ ብዘመንኩም ወይ ብዘመን ኣቦታትኩም፥ ከምዙይ ዝበለዶ ኾይኑ ይፈልጥ እዩ?
እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምፁ ይህብ፤ ሰፈሩ የመና ብዙሕ እዩ እሞ፥ እቲ ንቓሉ ዝፍፅም ንሱ ሓያል እዩ፤ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን፥ የመና እተፍርሕን እያ፤ መንከ ይኽእላ?
እታ ዓባይን መፍርሒትን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ድማ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
ስለ ምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እተእውዪ? ስለ ምንታይከ ሕርሳ ኸም ዝበፅሐ ሰበይቲ ቅልውላው ዝሕዘኪ? ንጉስ ስለ ዘየብልክን መማኽርትኺ ኸዓ ስለ ዝጠፍኡን ድዩ?
ኣነ ሰማዕኹ፤ ልበይውን ደንገፀኒ፤ ከናፍረይ በቲ ድምፁ ኣንቅጥቀጠ፤ ምንቅጥቃጥ ኣብ ውሽጢ ኣዕፅምተይ ኣተወ፤ ኣብ ስፍራይ ኮይነ ተናወፅኩ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘጨንቑኒ ህዝቢ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ንመዓልቲ መከራ ሃዲአ እፅበ ኣለኹ።
ሓደ መዓልቲ እውን ይኸውን፤ ንሱውን ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ ይኸውን፤ መዓልቲ ኣይኸውንን፤ ለይቲ እውን ኣይኸውንን፤ እንትመሲ ድማ ብርሃን ይኸውን።
“እንሆ፥ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመፅእ ኣላ፤ ኵሎም ዕቡያትን ገበርቲ ኽፉእን ሓሰር ክኾኑ እዮም፤ ሱር ወይ ጨንፈር እንተይሓደገት፥ ህሙኽ ኽተብሎም እያ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ካብታ እግዚኣብሄር መጀመርታ ፍጥረት ዝፈጠረላ፥ ክሳዕ ሎሚ ኸምኡ ኾይኑ ዘይፈልጥ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን መከራ፥ በታ እዋን እቲኣ ክኸውን እዩ።
እታ ዓባይን እተገርምን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ኸዓ፥ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
ከምቲ መፅሓፍ “መድሓኒ ኻብ ፅዮን ክመፅእ እዩ፤ ካብ ዘርኢ ያእቆብ ሓጢኣት ከርሕቕ እዩ፤ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ ኸዓ፥ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ” ዝብሎ፥ እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድሕኑ እዮም።
እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መፂኣ እያ እሞ፥ መንከ እዩ ደው ክብል ዝኽእል?” በልዎም።