Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 30:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 እስኪ ጠይቑን ተመልከቱን፤ ታባዕታይዶ ኽወልድ ይኽእል? ስለ ምንታይ ደኣ እዩ ዅሎም እቶም ሰብኡት፥ ከምታ ንምውላድ እትፅዓር ሰበይቲ ኾይኖም፥ ኣእዳዎም ኣብ ሕቘኦም ገይሮም ዝርኢ ዘለኹ? ገፅ ኵሉ ሰብከ ፀሊሙ ዝረአ ዘሎ ስለ ምንታይ እዩ?

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 30:6
19 Referencias Cruzadas  

ኣብኡ ኸም ሕርሲ ወላድ ምንቅጥቃጥ ሓዞም።


ብሰንኪ እዙይ ሕቘይ የቐንዝወኒ ኣሎ፤ ክትሓርስ ከም ዝቐረበት ሰበይቲ ኸዓ እፅዓር ኣለኹ፤ ካብ ሕማመይ ዝተልዓለውን ኣይሰምዕን፤ ካብ ድንጋፀ ዝተልዓለውን ኣይርእን።


ስለዙይ እቲ ንኣብርሃም ዝተቤዘዎ እግዚኣብሄር፥ ንቤት ያእቆብ ከምዙይ ይብል፦ “ደጊምስ ያእቆብ ኣይሓፍርን፥ ገፁውን ኣይፅምሉን እዩ።


እቶም ፈተውትኺ ክኾኑ፥ ባዕልኺ ዘሰልጠንክዮም፥ ገዛእትኺ ምስ ገበሮም እንታይ ክትብሊ ኢኺ? ከምታ ቕልውላው ዝተትሓዘት ሰበይቲዶ ኣይትሳቐዪን?


ኣቲ ኣብ ሊባኖስ እትነብሪ፥ ኣጒዶኺውን ብዕንፀይቲ ዝግባ እትሰርሒ፥ ኣብ ልዕሌኺ መከራ እንትመፅእ፥ ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ሰበይቲ፥ ኣውያትኪ ኸመይ ይኸውን!


ከም እትሓርስ፥ በዅሪ ወዳውን ከም እትወልድ ሰበይቲ፥ ዝበለ ድምፂ ሰማዕኹ፤ ድምፂ ጓል ፅዮን ብድኻም ይልሕትት፤ ኣእዳዋውን ትዝርግሕ እሞ፥ ተቐቲሎም ካብ ዝሞቱ ዝተልዓለ፥ ነፍሰይ ላሕሊሓ ኣላሞ፥ ወይለይ በለት።


ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።


እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።”


ደማስቆ ዛሕተለት፤ ክትሃድም ድማ ዘወር በለት፤ ከም እትወልድ ሰበይቲ እውን ጭንቕን ፃዕርን ሓዛ።


ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥ ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤ ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥ ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።


“ወረኦም ሰማዕና፤ ኢድና ደኺማ ኣላ። ሕርሲ ኸም ዝሓዛ ወላድ ሰበይቲ ቕልውላው ጭንቂ ሓዘና።


ሽዑ እቲ ንጉስ ገፁ ተለወጠ፤ ሓሳባቱ ኸዓ ኣጨነቖ፤ ጅማውቲ ሕቘኡ ድማ ላሕልሐ፤ ኣብራኹውን ኣንቀጥቀጠ።


ከም እትሓርስ ሰበይቲ ሕማም ሕርሲ ኽመፆ እዩ፤ ኣብዝውለደሉ ጊዜ፥ ብኣፍ ማህፀን ቀኒዑ ኣይመፅእን እዩሞ፥ ኣእምሮ ዘይብሉ ወዲ እዩ።


ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝብታት ይጭነቑ፤ ኵሉ ገፅ ሰብውን ይፅልም።


ጥራሓ ኾይና እያ፤ ባዲማውን እያ፤ ልቢ መኸኸ፤ ኣብራኽ ራዕራዕ በለ፤ ሕቘ ሓመመ፤ ገፅ ኵሎምውን ፀለመ።


ሰባት “ሰላም እዩ፤ ዘተኣማምን እዩ” ኽብሉ እንተለዉ፥ ከምቲ ንነፍሰ ፁር ሕማም ሕርሲ ዝሕዛ፥ ብድንገት ጥፍኣት ክመፆም እዩ፤ ፈፂሞምውን ከምልጡ ኣይኽእሉን እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos