4 እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ።
እንሆ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን፥ ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ክመልሶም እየ፤ ንሳቶምውን ክወርስዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ እሞ፦ “ዘፍርሕ ድምፂ ሰማዕና፤ ናይ ፍርሓት እምበር ናይ ሰላም ኣይኮነን።