3 እንሆ እተን ንህዝበይ እስራኤልን ይሁዳን፥ ካብ ምርኮ ዝመልሰለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገር ክመልሶም እየ፤ ንሳቶምውን ክወርስዋ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እታ ሻውዐይቲ ወርሒ ምስ በፅሐት ድማ፥ ደቂ እስራኤልውን ኣብ ከተማታቶም እንተለዉ፥ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ናብ ኢየሩሳሌም ተአከቡ።
ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረጋውያን ከዓ፥ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኣቶም ምስ ተሰረተት፥ ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።
ናብታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝመፁ ኸዓ፥ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ ዘሩባቤል ወዲ ሰላትያልን፥ ኢያሱ ወዲ ዮሴያርን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያንን፥ እቶም ካብ ምርኮ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተመለሱ ዅላቶምን ኮይኖም፥ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከዓ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ንኽሰርሑ ኣቖምዎም።
ኦ ጐይታ፥ ከምቶም ኣብ ደቡብ ዘለዉ ኣፍላጋት፥ ንምሩኻትና ምለሶም።
መድሓኒት ካብ ፅዮን ንእስራኤል መን ምሃበ! እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ምስ መለሰ፥ ያእቆብ ደስ ክብሎ፤ እስራኤልውን ክሕጐስ እዩ።
ግና ‘እቲ ንደቂ እስራኤል፥ ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጕዎም ዝነበረ ዅሉ ሃገርን ዝመለሰ እግዚኣብሄር ህያው እዩ’ ዝበሃለሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ኣነ ድማ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብክዋ ሃገሮም ክመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንስልጣን ንጉስ ባቢሎን ዝእዘዝን፥ ክሳዱ ትሕት ኣቢሉ ዝግዛእን ህዝቢ ግና፥ ኣብ ሃገሩ ኽሓድጎ እየ፤ ንሱ ኽሓርሳን ኣብኣ ኽነብርን እዩ።”
ናብ ባቢሎን ክውሰድ፥ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮ ኸዓ ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ኸውፅኦን ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሶን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።
ክርከበልኩም፥ ንምርኮኹም ከዓ ኽምልሶ እየ። ካብ ኵሎም እቶም ናብኣቶም ዝሰጐጕኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ኽእክበኩም እየ፤ ናብታ ተማሪኽኩም ክትከዱ እንተለኹም ዝሓደግኩምዋ ምድሪ ኽመልሰኩም እየ።”
በተን ወርሓት እቲኣተን ቤት ይሁዳ ምስ ቤት እስራኤል ክኸዱ፥ ሓቢሮም ድማ ኻብ ሃገር ሰሜን፥ ናብታ ነቦታትኩም ክወርስዋ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽመፁ እዮም።”
“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ምርኮ ድንኳን ያእቆብ ክምልስ እየ፤ ንመንበሪኡውን ክርህርሀሉ እየ፤ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት፥ ክትህነፅ እያ፤ እቲ ኣዳራሻውን ከም ቅድሙ፥ መንበሪ ሰብ ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድምፅኺ ኻብ ብኽያት፥ ኣዒንትኺውን ካብ ንብዓት ከልክሊ” ድኻምኪ ዓስቢ ኣለዎ እዩሞ፥ ደቅኺ ኻብ ምድሪ ፀላኢ ኽምለሱ እዮም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንምርኮኣቶም ምስ መለስኩሎም፥ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ይሁዳን ኣብ ከተማታታን፥ ‘ኣታ መሕደሪ ፅድቂ፥ ኣታ እምባ ቅድስና፥ እግዚኣብሄር ይባርኽካ!’ ዝብል ቃል፥ መሊሶም ክናገሩ እዮም።”
“እንሆ፥ ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ብዘርኢ ሰብን እንስሳን ዝዘርኡሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
እንሆ፥ “ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን፥ ሓድሽ ቃል ኪዳን ዝኣትወሉ ጊዜ ኽመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
“እንሆ እዛ ኸተማ እዚኣ፥ ካብ ግንቢ ሃናንኤል ክሳዕ ደገ መኣዝን፥ ንእግዚኣብሄር እትሕነፀለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እንሆ፥ ካብቲ ዅሉ ብቝጥዓይን ብዓብዪ መቕሰፍተይን ዝሰጐጕክዎም ክእክቦም እየ፤ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ድማ ኽመልሶም፥ ብሰላምውን ከንብሮም እየ።
ኣነ ነቶም ምሩኻቶም ክምልሰሎም እየሞ፥ ኣብ ሃገር ብንያምን ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌምን ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ከተማታት ደጕዓን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ኔጌብን፥ ገራሁ ብገንዘብ ክሽየጥ እዩ፤ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልውን፥ ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ተፅሒፉ ኽሕተም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሽዑ ንዘርኢ ያእቆብን ንባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ካብ ዘርኢ ዳዊት ሓደ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝገዝኡ ኣየተስእን እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየሞ፤ ክምሕሮምውን እየሞ።”
ኤርሚያስ ንዅሉ እቲ ኣብ ባቢሎን ዝወርድ መዓት ንዅሉ እቲ ብዛዕባ ባቢሎን ዝተፅሓፈ፥ ኣብ ሓደ መፅሓፍ ፀሓፎ።
ንስኻትኩምውን ናብ ምድሪ እስራኤል፥ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ፥ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኹኹም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
ካብ ኣህዛብ ከውፅአን፥ ካብ ሃገራት ክእክበን፥ ናብ ሃገረን ድማ ኽመልሰን፥ ኣብ እምባታት እስራኤልን፥ ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ፥ ኣብቲ ሰብ ዝነብረሉ ዅሉ ቦታ እታ ምድርን ክጓስየን እየ።
“ካብ ህዝብታት ከምፅአኩም፥ ካብ ኵሉ ሃገራት ከዓ ኽኣኻኽበኩም፥ ናብ ምድሪኹምውን ክመልሰኩም እየ።
እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ፥ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ምድሪ፥ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም፤ እዛ ምድሪ እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ።
እንሆ ድማ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን፥ በቲ ጊዜ እቱይን፥ ንይሁዳን ንኢየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስክዎም፥
እቲ ገማግም ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክምልከቶም፥ ምርኮኣቶምውን ክምልሰሎም እዩሞ፥ ኣብኡ ኽጓስዩ እዮም፤ ምሸት ከዓ ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ክድቅሱ እዮም።
በቲ ጊዜ እቱይ ክመልሰኩም እየ፤ በቲ እዋን እቱይ ክእክበኩም እየ፤ ምርኮኹም ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ምስ መለስኩልኩም፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ፥ ንዝኸበረ ስምን ንምስጋናን ክገብረኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዙይ በሎም፦ “ካብ መዓልቲታት ወዲ ሰብ፥ ሓንቲ ኽትሪኡ እትምነዩለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ግና ኣይትሪኡን ኢኹም።
ፀላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ሓፁር ሓፂሮም፥ ከቢቦም በዙይን በቱይን፥ ንኣኺ ዘጨንቑሉ መዓልቲ ኽመፅእ እዩ።
ኢየሱስ፥ “እዝ እትሪእዎ ዘለኹም፥ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ እንተይፈረሰ ዘይተርፈለን መዓልቲታት ክመፃ እየን” በለ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምርኮኹም ክምልሰልኩም ክርህርሀልኩምውን እዩ፤ ካብቶም ናብኣቶም ፋሕ ኣቢሉኩም ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም መሊሱ ኽእክበኩም እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ናብታ ኣቦታትኩም ዝወረስዋ ምድሪ ኸእትወኩም እዩ፤ ንስኻትኩም ከዓ ኽትወርስዋ ኢኹም እሞ፥ ንሱ ሰናይ ክኾነልኩም፥ ካብ ኣቦታትኩም ድማ ብዝበለፀ ኸብዝሐኩም እዩ።
ንሱ ንኣኣቶም እናነቐፈ፥ ከምዙይ ይብሎም እዩሞ፦ “እንሆ ምስ ቤት እስራኤልን፥ ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን፥ ዝኣትወለን መዓልቲታት ክመፃ እየን፤ ይብል እግዚኣብሄር።