24 ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳብ ልቡ እንተይፈፀመ፥ ስቕ ኢሉ ኣይምለስን፤ በተን ዳሕረዎት ዘመናት፥ ነዙይ ክተስተውዕልዎ ኢኹም።
ያእቆብ ንደቁ ፀዊዑ፥ “በተን ዳሕረዎት ዘመናት ዘጋጥመኩም ክነግረኩምስ፥ ተኣከቡ” በሎም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መሓለ፦ “ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ክኸውን እዩ፤ እቲ ዝመደብክዎውን ክቐውም እዩ።
ካብ ምብራቕ መንጣሊ ኣሞራ፥ ካብ ርሑቕ ሃገርውን፥ ምኽረይ ዝገብር ሰብ ክፅውዕ እየ፤ ተዛሪበ ኣለኹ፤ ክገብሮውን እየ።
ናይ እግዚኣብሄር ኣውሎ ንፋስ ብቝጥዓ ይለዓል፤ ብርቱዕ ማዕበልውን ንርእሲ ኽፉኣት ክወቅዕ እዩ።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ሓሳባት ልቡ እንተይገበረን እንተይፈፀመን ኣይምለስን እዩ። ኣብ ዳሕረዎት መዓልቲታት ብዝበለፀ ኽተስተውዕልዎ ኢኹም።
ምድሪ ኽትበኪ፥ ሰማይውን ኣብ ላዕሊ ኽፅልምት እዩ፤ ኣነ ኢለ ኣለኹ፤ ወዲአዮውን እየ፤ ኣየናሕስየሉን፤ ካብኡ ኣይምለስን ድማ እየ።
እምበኣር እቲ ዝነድድ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ካባና ኣይተመለሰን እዩ እሞ፥ ከሊ ተኸደኑ፤ ኣልቅሱ፤ ዋይ ዋይ ድማ በሉ።
ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ግና፥ ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሞኣብ ዝወርድ ፍርዲ ኽሳዕ እዙይ እዩ።
ንህዝቢ ዔላም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ከም ዝርዕዱ ኽገብሮም እየ፤ መዓት ጓህሪ ቝጥዓይ ከውርደሎም፥ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከዓ ድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንህዝቢ ዔላም ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ላሜድ። “ኵልኹም ኣቱም ሓለፍቲ መንገዲ፥ እዙይ ኣባኻትኩም ዝኾነ የለንዶ? እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጕሁር ቍጥዓኡ፥ ነኣይ ኸም ዝቐፅዐኒ፥ ከምቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ ስቓይ ዝተቐበለ እንተሎ ኸዓ፥ ንዑ ረአዩ፤ ተመልከቱውን።”
ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።”
እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ።
ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ነቲ ብዳሕረዋይ ዘመን ክኸውን ዘለዎ፥ ንንጉስ ናቡከደነፆር ገለፀልካ። እቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ እንተለኻ ዝረአኻዮ ሕልምን ናይ ባዕልኻ ራእይን ከዓ እዙይ እዩ፦
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
በቲ ዳሕረዋይ ዘመን፥ እቲ እምባ ቤት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ርእሲ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም።
ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ።
ድሕሪ ሞተይ ብርግፅ ንባዕልኹም ከም እተርክሱ፥ ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መንገዲ ድማ ኸም እተግልሱ፥ እፈልጥ ኣለኹ እሞ፥ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ንኽተቘጥዕዎ ኣብ ቅድሚኡ ኽፉእ ስለ እትገብሩውን፥ ብዳሕረዋይ ዘመን ጕድኣት ክረኽበኩም እዩ።”
ምስ ፀበበኩምን፥ እዝ ዅሉ ምስ በፅሐኩምን ግና፥ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትምለሱ ኢኹም፤ ቃሉ ኸዓ ኽትሰምዑ ኢኹም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ስድራ ኤሊ ኽገብሮ እየ ኢለ ዝተዛረብክዎ፥ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽፍፅሞ እየ።