22 ስለዙይ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነ ድማ ኣምላኽኩም ክኸውን እየ።”
ህዝበይ ክትኮኑ ኽወስደኩም እየ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኽ ክኾነኩም እየ። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ኣርዑት ግብፃውያን ዘውፃእኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኾንኩ ድማ ኽትፈልጡ ኢኹም።
ፍቱወይ ናተይ እዩ፤ ኣነውን ናቱ እየ፤ ንሱ ንመጓሰኡ ኣብ ማእኸል ዕምበባታት ሱፍ የውፍረን።
ካብታ ኸም እቶን ሓጐዶ ዝኾነት ግብፂ ኸውፅኦም እንተለኹ፥ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን እዙይ እዩ። ክእዘዙንን፥ ኵሉ ዝበልክዎም ክፍፅሙን ነገርክዎም። እንተ ደኣ ተኣዚዞምኒ ህዝበይ ከም ዝኾኑ፥ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ከም ዝኸውን ነገርክዎም።
ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ፥ ዝፈልጥ ልቢ ኽህቦም እየ፤ ሽዑ ብምሉእ ልቦም ናባይ ክምለሱ እዮም እሞ፥ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ በቲ ዘመን እቱይ ንዅሎም ነገድ እስራኤል ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም።
ድሕሪ እዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዙይ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ሕገይ ኣብ ውሽጦም ከንብር፥ ኣብ ልቦም ከዓ ኽፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ድማ ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
ሽዑ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
ኣብታ ነቦታትኩም ዝሃብክዋ ሃገር ክትነብሩ፥ ህዝቢ ኸዓ ኽትኮኑኒ ኢኹም፤ ኣነውን ኣምላኽ ክኾነኩም እየ።
ማሕደረይ ምስኣቶም ክኸውን እዩ፤ ኣነ ኸዓ ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑ እዮም።
ኣብ ምድሪ ንኣይ ክዘርኣ እየ፤ “ነታ ምሕረት ዘይረኸበት” ንዝተብሃለት ክምሕራ እየ፤ ነቲ “ዘይህዝበይ” ዝተብሃለ ድማ “ንስኻ ህዝበይ ኢኻ” ኽብሎ እየ፤ ንሱውን “ኣምላኸይ ኢኻ” ኽብለኒ እዩ።
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”
ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
እንሆ ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፥ ኣብ ልቦምውን ክፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኾኖም እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።