20 ደቆም ከም ቀደም ክኾኑ እዮም፤ ማሕበሮም ድማ ኣብ ቅድመይ፥ ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ንዅሎም ገፋዕቶም ክቐፅዖም እየ።
ንቕድሚት ዝፍጠር ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ምእንቲ ኸመስግኖ፥ እዙይ ንመፃኢ ትውልዲ ይፀሓፍ፤
ደቂ ኣገልገልትኻ ኽነብሩ እዮም፤ ዘርኦምውን ንዘለኣለም ፀኒዑ ኽነብር እዩ።
እቶም ዘጨንቑኺ፥ ናይ ባዕልቶም ስጋ ኸም ዝበልዑ ኽገብሮም እየ፤ ወይኒ ሰቲኻ ኸም ዝስከር፥ ናይ ባዕልቶም ደም ሰትዮም ክሰኽሩ ኽገብሮም እየ። ኵሉ ሰብ ድማ፥ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተቤዛዊኽን፥ እቲ ሓያል ናይ ያእቆብ ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።”
እግዚኣብሄር ጐይታኺ፥ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዝማጐት ኣምላኽኪ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ፥ ነቲ ብቝጥዓይ ዝሃብኩኺ፥ ሰንደልደል ዘብል ፅዋዕ ቍጥዓይ፥ ካብ ኢድኪ ወሲደዮ ኣለኹ፤ ድሕሪ ሕዚ ኣይትሰትይዮን ኢኺ፤
ብፅድቂ ኽትህነፂ ኢኺ፤ ካብ ግፍዒ ረሓቒ፤ ዘፍርሐኪውን ኣይህሉን፤ ስምባደ ኣይቐርበክን እዩ፤ ናብ ጥቓኺውን ኣይቐርብን።
“እስራኤል፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነበረ፤ በዅሪ ቐውዐይውን ነበረ፤ ኵሎም እቶም ዝበልዕዎ ኸም በደልቲ ይቝፀሩ፤ ክፉእ ነገርውን ክረኽቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሕዚ ግና እቶም ፈፂሞም ዝውሕጡኻ፥ ክወሓጡ እዮም፤ ኵሎም ፀላእትኻ ንምርኮ ኽወሃቡ እዮም። ኵሎም ዝዓመፁኻ ኽዕመፁ እዮም፤ ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤
ንባዕላቶምን ብድሕሪኦም ከዓ ንደቆምን፥ ሰናይ ምእንቲ ክኾነሎም፥ ኵልሻዕውን ክፈርሑኒ፥ ሓደ ልብን ሓደ መንገድን ክህቦም እየ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናባኻ ምለሰና፤ ንሕናውን ክንምለስ ኢና፤ ንዘመናትና ኸምቲ ናይ ቀደም ሓድሶ።
“ፈትየዮም እየሞ፥ ንቤት ይሁዳ ኸበርትዖም እየ፤ ንቤት ዮሴፍ ድማ ኸድሕኖም እየ፤ ከደላድሎምውን እየ። ስለ ዝርህርሀሎም፥ ናብ ዓዶም ክመልሶም እየ፤ ከም ዘይሓደግክዎምውን ክኾኑ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየሞ፥ ፀሎቶም ክሰምዖም እየ፤ ከም ዘይደርበኹዎምውን ክኾኑ እዮም።
“ተቤዚወዮም እየሞ፥ ብፋፃ ኽፅውዖም እየ፤ ብሓደ ኽእክቦም እየ፤ ከም ቀደሞምውን ክበዝሑ እዮም።
ኣደባባያት እታ ኸተማ ድማ፥ በቶም ዝፃወቱ ኣወዳትን ኣጓላትን ክመልኣ እየን።”