Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 30:16 - መፅሓፍ ቅዱስ

16 ሕዚ ግና እቶም ፈፂሞም ዝውሕጡኻ፥ ክወሓጡ እዮም፤ ኵሎም ፀላእትኻ ንምርኮ ኽወሃቡ እዮም። ኵሎም ዝዓመፁኻ ኽዕመፁ እዮም፤ ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 30:16
44 Referencias Cruzadas  

ኵሎም ንፅዮን ዝፀልኡ ይሕፈሩ፤ ንድሕሪትውን ይመለሱ።


ድምፁ እንተ ሰሚዕኻ፥ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፥ ኣነ ንፀላእትኻ ኽፀልኦም፥ ንዝፃረሩኻ ድማ ኽፃረሮም እየ።


እግዚኣብሄር ነቲ ፍርዶም ክፋረደሎም እዩሞ፤ ነቶም ዝገፈፍዎም ከዓ ህይወቶም ክገፎም እዩሞ።


ደቂ እስራኤል ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ሃገር፥ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብዙሓት ኣህዛብ ክሕግዝዎም እዮም። ደቂ እስራኤል ድማ ነቶም ኣህዛብ፥ ኣብኡ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ገንዘቦም ክገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ዝነበሩ ኽማርኹ፥ ነቶም ዝገፍዕዎም ዝነበሩ ድማ ኽገዝእዎም እዮም።


ኣታ እንተይጠፋእኻ እተጥፍእ፥ ኣታ እንተይተጠለምካ እትጠልም ወይለኻ! ምጥፋእ ምስ ሓደግካ ኽትጠፍእ ኢኻ፤ ወንጀል ምስ ሓደግካ ኽትውንጀል ኢኻ።


እንሆ ኽእከቡ እዮም፤ ግና ኻባይ ኣይኮነን፤ ኵሎም እቶም ኣብ ልዕሌኺ ዝእከቡ፥ ካባኺ ዝተልዓለ ኽወድቑ እዮም።”


ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥ ክኸሽፍ እዩ፤ ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥ ክትረትዒ ኢኺ። እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።


ንያእቆብ በሊዖምዎ፥ ውሒጦምዎን ወዲኦምዎን፥ ንመንበሪኡውን ኣዕንዮምዎ እዮም እሞ፥ ቍጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን፥ ናብቶም ስምካ ዘይፅውዑ ዓሌትን ኣፍስሶ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ እስራኤል ዘውረስክዎም ርስቲ ንዝነኽኡ ዅሎም ክፉኣት ጐረባብቲ፥ ካብ ምድሮም ክነቕሎም እየ። ንቤት ይሁዳውን ካብ ማእኸሎም ክነቕሎ እየ።


“እስራኤል፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ ነበረ፤ በዅሪ ቐውዐይውን ነበረ፤ ኵሎም እቶም ዝበልዕዎ ኸም በደልቲ ይቝፀሩ፤ ክፉእ ነገርውን ክረኽቦም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ ንህዝቢ ባቢሎንን ንንጉሶምን ብሰንኪ በደሎም ክቐፅዖም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሃገሮም ከዓ ንሓዋሩ ኸባድማ እየ።


ፈውሲ ንዘይርከቦ ሕማምካ፥ ብዛዕባ ቝስልኻ ንምንታይ እተእዊ? ብበደልካን ብበዝሒ ሓጢኣትካን እየ ዝቐፃዕኹኻ።


ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን፥ ንናይ ቤተ መቕደስን ሕነ፥ ኣብ ፅዮን ክነግሩ ሃዲሞም ካብ ሃገር ባቢሎን ዘምለጡ፥ ድምፂ ሰባት ተሰሚዑ እዩ።


ፀላእትና ድሮ ኽሳዕ ከተማ ዳን በፂሖም ኣለዉ፤ ድምፂ ኹርፋ ኣፍራሶም ኣብ ዳን ተሰምዐ። ብምሕምሓም ድንጉላ ኣፍራሶም ድማ ዅላ እታ ሃገር ትርዕድ። መፁ፤ ነታ ምድርን ኣብኣ ንዝነብሩ ዅሎምን ከዓ በልዕዎም።”


ሳን። “ሰባት ናይ ስቓይ ቍዘማይ እናሰምዑ፤ ዘፀናንዐኒ ሓደ እኳ የለን፤ ኵሎም ፀላእተይ፥ ጭንቀተይ ሰምዑ፤ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ግና ተሓጐሱ፤ ኦ ጐይታ! እታ ስሌኣቶም ዝተናገርካያ መዓልቲ፥ ክተምፅኣ ኢኻ፤ ንሳቶምውን ከምዝ ኸማይ ክኾኑ እዮም።”


ታው። “ብኽያተይ በዚሑ፥ ልበይውን ይጠልመኒ ኣሎ እሞ፥ ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ቅድሜኻ ይብፃሕ፤ ከምቲ ብሰንኪ ሓጢኣተይ ዝገበርካዮ፥ ከምኡ ድማ ንኣኣቶም ግበሮም።”


እቶም ኣብ ግብፂ ዝነብሩ ዅሎም፥ ንቤት እስራኤል ምርኵስ ዘንጊ ኾይኖምዎም እዮም እሞ፥ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።


“ናይ ሓዋሩ ፅልኢ ስለ ዝነበረካ፥ ንደቂ እስራኤል በቲ ጊዜ ፀበባኦምን በቲ ሓጢኣቶም፥ እተፈፀመሉ ጊዜን፤ ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፥


ነዙይ እግዚኣብሄር ተዛሪብዎ እዩ እሞ፥ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን፥ ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፤ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፥ ናብ ሰብ ሳባ ኽሸጡኹም እዮም።


ሕዚ ግና ብዙሓት ኣህዛብ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተኣኪቦም፥ “ትርከስ፤ ኣዒንትናውን ንፅዮን ይጠምታ” ይብሉ።


ሽዑ እታ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” ዝበለት ፀላኢተይ ክትሪኦን፥ ሕፍረትውን ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክሪኣኣ እየን፤ ሕዚ ኸም ጭቃ መንገዲ ኽትርገፅ እያ።


ነታ ቦታ ግና፥ ዓብለቕለቕ ብዝብል ውሕጅ፥ ፈፂሙ ኸጥፍኣ እዩ። ንፀላእቱውን ናብ ፀልማት ከሳጕጎም እዩ።


ክንዲ ኽብሪ፥ ሕፍረት መሊኡካ ኣሎ፤ ንስኻውን ሰቲኻ ሰንደልደል በል፤ እቲ ፅዋዕ የማን እግዚኣብሄር ክምለሰካ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ኽብርኻውን ሕፍረት ክኸውን እዩ።


“ኣነ፥ እቲ ህዝቢ ሞኣብን ደቂ ኣሞንን፥ ንህዝበይ ብዛዕባ ርስቶም እናተዓበዩ ዘላግፁሎምን ዝፀርፍዎምን ፀርፊ ሰሚዐዮ ኣለኹ።


እቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ኸምዙይ በለኒ፦ ስበኽ፤ ከምዙይውን በል፦ “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ‘ኣነ ብኢየሩሳሌምን፥ ብፅዮንን ዓቢዪ ቕንኣት ቀኒአ ኣለኹ።


ኣነ ቑሩብ ተቘጢዐ ነበርኩ፤ ንሳቶም ግና ንኽፍኣት ስለ ዝሓገዙ፥ በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ።


“እንሆ፥ ንኢየሩሳሌም፥ ኣብ ዙርያኣ ንዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ገድገድ ከም ዘብል ፅዋዕ ኽገብራ እየ፤ ከምኡውን ኢየሩሳሌም እንትትክበብ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸምዙይ ክኸውን እዩ።


ኣነ ንዅላቶም ኣህዛብ ንውግእ ኣብ ኢየሩሳሌም ክእክቦም እየ። እታ ኸተማ ኽትተሓዝ እያ፤ ኣባይቲ ኽዝመቱ እዮም፤ ኣንስቲ እውን ክንወራ እየን። ፍርቂ ህዝቢ እታ ኸተማ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም፤ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ኻብታ ኸተማ ኣይውሰዱን እዮም።


እግዚኣብሄር ኣብታ ቕድስቲ ምድሪ፥ ንይሁዳ ኸም ግደኡ ክወርሳ፥ ንኢየሩሳሌም ከዓ መሊሱ ኽሓርያ እዩ።


ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ድሕሪ ኽብሩ ናብቶም ዝዘመትኹም ኣህዛብ ልኢኹኒ እዩ፤ ዝነኽአኩም ብሌን ዓይኑ ዝነክእ እዩሞ።”


እዝ ዅሉ መርገም እዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብቶም ዝፀልኡኹምን ዝሰጕኹምን ፀላእትኹም ክመልሶ እዩ።


‘እቲ ኽማረኽ ዘለዎ፥ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ፤ እቲ ብሰይፊ ኽቕተል ዘለዎ፥ ብሰይፊ ኽቕተል እዩ።’ እቲ ናይቶም ቅዱሳን ትዕግስትን እምነትን ዝረአ ኸዓ፥ ኣብዙይ እዩ።”


ደቂ እስራኤል ከዓ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፥ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos