15 ፈውሲ ንዘይርከቦ ሕማምካ፥ ብዛዕባ ቝስልኻ ንምንታይ እተእዊ? ብበደልካን ብበዝሒ ሓጢኣትካን እየ ዝቐፃዕኹኻ።
“እዝ ዅሉ ዝበፅሐና ብሰንኪ ኽፉእ ስራሕናን ብሰንኪ ብዙሕ በደልናን እዩ፤ ንስኻ ኣምላኽና ግና፥ ከም ብዝሒ በደልና ኣይቐፃዕኻናን፤ እኳ ድኣ ተረፍ ሃብካና እምበር።
ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?
ቅኑዕ እንተለኹ ኸም ሓሳዊ ተቘፀርኩ፤ ዝኾነ እንተይበደልኩ፥ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ ተብሂሉ ኣሎ።
ስለ ዓመፃኣቶም ሰነፉ፤ ስለ ሓጢኣቶምውን ተሸገሩ።
ካብ ከብዲ እግሪ ጀሚሩ ኽሳዕ ፀጕሪ ርእሲ፥ ጥዕና የብሉን፤ ቍስልን ሕበጥን ዝመግልንውን እዩ፤ ኣይነትዐን፤ ኣይተፀገነን፤ ብዘይትውን ኣይለስለሰን።
ኰዓቶ፤ ነእማኑ ኸዓ ኣርዩ ኣውፅኦ እሞ፥ ዝተመረፀ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፤ ኣብ ማእኸሉ ድማ መሐለዊ ግንቢ ሰርሐሉ፤ መፅመቚ ወይኒ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዀዓተሉ። ወይኒ ኸፍሪውን ተፀበየ፤ ግና መፂፅ ፍረ ፈረየ።
ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ።
ስለ ምንታይ ሕማመይ ፀንዐኒ? ስለ ምንታይከ ቝስለይ ዘይሓዊ ኾነ? ኸም መታለሊ ዓይኒ ማይ፥ ከምቲ ነፃፊ ማይዶ ኽትኮነኒ ኢኻ?” በልኩ።
ክፍኣትኪ ኽግስፀኪ፥ ጥልመትኪ ኸዓ ኽዘልፈኪ እዩ። ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን፥ ንኣይ ዘይምፍራሕን ክንደይ ክፉእን መሪርን ከም ዝኾነ ፍለጢ፤ ኣስተውዕሊውን! ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስብራትካ ዘይፅገን፥ ቍስልኻውን ብርቱዕ እዩ።
ኵሎም ፈተውትኻ ረስዑኻ፤ ብኣኻውን ኣይግደሱን፤ ብሰንኪ ዓብዪ በደልካን፥ ሓጢኣትካውን ስለ ዝበዝሐን፥ ከም ፀላኢ ቐፃዕኹኻ፤ እወ፥ መቕፃዕትኻ ብርቱዕ ነበረ።
ሕዚ ግና እቶም ፈፂሞም ዝውሕጡኻ፥ ክወሓጡ እዮም፤ ኵሎም ፀላእትኻ ንምርኮ ኽወሃቡ እዮም። ኵሎም ዝዓመፁኻ ኽዕመፁ እዮም፤ ኵሎም ዝዘመቱኻ ኸዓ ኽዝመቱ እዮም፤
እታ ሓደኳ ዘይግደሰላ ድርብይቲ ፅዮን ኢሎም ሰምዮምኺ እዮምሞ፥ ኣነ ንኸጥዕየኪ፥ ንቝስልኺውን ከሕውዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣቲ ድንግል ጓል ግብፂ፥ ናብ ገለዓድ ኪዲ፤ ዝቕባእ መድሓኒታትውን ኣምፅኢ፤ ግና መድሓኒታት እተብዝሒ ብኸንቱ እዩ፤ ኣየሕውየክን እዩ።
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም፥ ኵላቶም ስሰዐ ዝሓስቡ እዮም። ካብ ነቢይ ጀሚሩ ኽሳዕ ካህን ብተንኰል ይሰርሑ።
ሄ። ብሰንኪ ብዝሒ በደላ፥ እግዚኣብሄር መቕፃዕቲ ኣውሪዱላ እዩሞ፥ ፀላእታ ድማ ይገዝእዋ ኣለዉ። ወደረኛታታ ተመቸዎም፤ ደቃ ብፀላኢ ተማሪኾም ተወሰዱ።
ሜም። ኦ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ብዛዕባኺ እንታይ ክምስክር እየ? ብመንከ ኽምስለኪ እየ? ኣቲ ድንግል ጓል ፅዮን፥ ኣነ ኸፀናንዐኪ ብምንታይ ከመዓራርየኪ እኽእል? ስብራትኪ ኸም ባሕሪ ዓሚቝ እዩ፤ መንከ ኸሕውየኪ ይኽእል?
ስለ ምንታይ እቲ ህያው ሰብ ዘጕረምርም? ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓጢኣቱ እንትቕፃዕ፥ ስለ ምንታይ ደኣ የጕረምርም?
ሜም። እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ብምኽንያት ሓጢኣት ነቢያታን፥ ብሰንኪ ኻህናታን፥ ንሳቶም ኣብ ውሽጣ፥ ደም ንፁሃት ፃድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዩ።
ቍስላ ዘይሓዊ እዩሞ፥ ክሳዕ ይሁዳ መፂኡ፥ ኣብ ኣፍ ደገ ህዝበይ፥ ክሳዕ ኢየሩሳሌም በፂሑ እዩሞ።”
ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፥ ንሱ ኽሳዕ ዝማጐተለይ፥ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውፅአለይ፥ ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ።
ስለዙይ ስብራትካ ፈውሲ የብሉን፤ ቍስልኻውን ዝኸፍአ እዩ። ኵሎም እቶም ወረኻ ዝሰምዑ፥ ብሓጐስ ኣእዳዎም የጣቕዑ፤ ኵልሻዕ ክፍኣትካ ዘይበፅሖ መን ኣሎ?