11 ኣነ ምስኻ እየ፤ ከድሕነካውን እየ፤ ነቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኹም ኵላቶም ህዝብታት፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን እየ፤ ብመጠኑ ኽቐፅዐካ እየ፤ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን።”
“ኪድ ንዳዊት፥ እግዚኣብሄር ‘ሰለስተ ነገራት ኣቕርበልካ ኣለኹ፤ ካብኣተን ሓንቲ ምረፅ እሞ ኽገብሮ እየ’ ይብል ኣሎ፤ ኢልካ ተዛረቦ” በሎ።
ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤ ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።
ክሳዕ ሽሕ ትውልዲ ሕያዋይነቱ ዝሕሉ፥ ዓመፅን ምጥሓስን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፥ ንበዳሊ ግና ኸም ንፁህ ዘይርኢ፥ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቅን ኣብ ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ራብዓይን ትውልዲ ዝቐፅዕ” እናበለ ኣወጀ።
ኣነ፥ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ፥ ሓጢኣትካ ዝድምስስ፤ መሊሰ ኸዓ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን።”
ተመኻኸሩ ግና ምኽርኹም ክፍታሕ እዩ፤ ቃል ተዛረቡ፤ ግና እቲ ቓል ኣይፀንዕን፤ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ።
ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣነ ኸድሕነካ ምሳኻ እየ እሞ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኦ እግዚኣብሄር፥ ቅፅዐኒ፤ ግና ብልክዕ ደኣ ይኹን፤ ምእንቲ ኸይጠፍእስ ብቝጥዓኻ ኣይኹን።
ነዝ ህዝቢ እዙይ ፅኑዕ ቅፅሪ ነሃስ ክገብረካ እየ። ንሳቶም ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኵላ እታ ምድሪ ኽትባድም እያ፤ ግና ፈፂመ ኣየጥፍኣን እየ።”
“ናብ ቅፅራ ደይብኩም ኣፍርሱ፤ ግና ፈፂምኩም ኣይተጥፍእዎ፤ እቲ ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኮነን እሞ ኣርሕቕዎ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ግና በተን መዓልቲታት እቲኣተን እውን፥ ፈፂመ ኣየጥፍአኩምን እየ።
ሔት። ፈፂምና ዘይጠፋእናስ፥ ካብ ምሕረት እግዚኣብሄር ዝተልዓለ እዩ፤ ርህራሄኡ ኣይውዳእን እዩ እሞ።
ኮነ ኸዓ፥ ኣነ ኽንበ እንተለኹ፥ ፊላጥያ ወዲ በናያስ ሞተ፤ ሽዑ ብግምባረይ ተደፊአ ዓው ኢለ፥ “ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ነቶም ተረፍ እስራኤልዶ ፈፂምካ ኽተጥፍኦም ኢኻ?” ኢለ ኣእዌኹ።
“በብሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ብዙሓት ክህልዉኹም እዮም፤ በዝ ኸምዙይ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ።
ኣነ ኣምላኽ እየ እምበር ሰብ ኣይኮንኩንሞ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ቅዱስ እየ እሞ፥ ብናህሪ፥ ቍጥዓይ ኣየምፅእን እየ፤ መቕሰፍቲ ቝጥዓይ ኣየውፅእን እየ፤ ንኤፍሬም ከጥፍእ ድማ ኣይምለስን፤ ብመዓትውን ኣይመፅእን።
ንሳቶም እኳ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም እንተለዉ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም ኢለ ኣይገድፎምን እየ፤ ኣይፅየፎምን ድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣየፍርሶን እየ።
ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ኣለኒ፤ ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኾንኩ ድማ፥ ክጐድአካ ዝኽእል ሓደኳ የለን” በሎ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ኣየሓድገኩምን ኣየጥፍአኩምንውን። ነቲ ምስ ኣቦታትኩም ዝኣተዎ፥ ብማሕላ ዘፅንዖ ኺዳን ከዓ ኣይርስዕን እዩ።
ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ መንፈስካ ይኹን። ፀጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።