8 ነዛ ኸዳዕ እስራኤል ብሰንኪ ዝሙታ ኸም ዝፈታሕኽዋ ዘመልክት ፅሑፍውን ከም ዝሃብክዋ፥ ሪኣ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኣይፈርሐትን፤ ከይዳውን ከም ዘመንዘረት ረአኹ!
ንሱ መሊሱ ኣብ እምባታት ይሁዳ መስገዲታት ሰርሐ። ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡውን ከም ዘመንዝሩ ገበሮም፤ ንይሁዳውን ኣስሓቶ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እቲ ንኖኹም ዝፈታሕኹሉ፥ ናይ ፍትሕ ፅሑፍ ኣበይ ኣሎ? ነየናይ መለቅሒ እየኸ፥ ንኣኻትኩም ዝሸጥኩኹም? እንሆ፥ ንስኻትኩምስ፥ ብሰንኪ ሓጢኣታትኩም ኢኹም ዝተሸጥኩም፤ ብሰንኪ በደልኩምውን እኖኹም ተፈቲሓ ኣላ።”
ክፍኣትኪ ኽግስፀኪ፥ ጥልመትኪ ኸዓ ኽዘልፈኪ እዩ። ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን፥ ንኣይ ዘይምፍራሕን ክንደይ ክፉእን መሪርን ከም ዝኾነ ፍለጢ፤ ኣስተውዕሊውን! ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ከምቲ ዝበሃል፦ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ፥ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኻልእ ሰብኣይ እንተእተወት፥ ብሓቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ መሊሱዶ ኸእትዋ ይኽእል? እታ ሰበይቲ እቲኣ የመና ዝረኸሰትዶ ኣይኮነትን? ንስኺ ግና ምስ ብዙሓት ፈተውቲ መንዚርክስ፥ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ? ይብል እግዚኣብሄር።
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ‘እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርቢይዎም እዩ’ እናበሉ ዝዛረብዎ ዘለዉ ኣይትሪኦን ዲኻ? ድሕሪዙይ ኣብ ቅድሚኣቶም ህዝቢ ኸም ዘይኮኑ ቘፂሮም ይንዕቕዎም ኣለዉ።
“ከመይ ኢለ ይቕረ ኽብለልኪ? ደቅኺ ጠለሙኒ፤ ኣማልኽቲ ብዘይኮኑ ኸዓ ይምሕሉ ኣለዉ፤ ኣፅገብክዎም፤ ንሳቶም ድማ ዘመዉ፤ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ።
“እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ፀጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓፍትኺ ሰማርያ እያ፤ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽተይ ሓፍትኺ ኸዓ ሰዶም እያ።
ንስኺ ግና ብመንገደን ኣይከድክን፤ ከምቲ ፅዩፍ ነገረን ከዓ ኣይገበርክን። እዙይ ቀሊሉክስ ብዅሉ መንገድኺ ደኣ ኻብኣተን ገደድኪ።
“ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ርኽሰትኪ ኻብኣተን ኣብዛሕኺ፤ ብዅሉ እቲ ዝገበርክዮ ርኽሰትክውን ነሓትኪ ኣፅደቕክየን።
ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዝኣትዉ ናብኣ ኣተዉ፤ ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን ኣተዉ።
ስለዙይ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፥ ብፍትወት ምስኣቶም ነዲዳ ዝነበረት፥ ናብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር ሃብክዋ።
ከምኡ ኸዓ ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፉድን ተራፊምን፥ ብዙሕ መዓልቲታት ክቕመጡ እዮም።
“ሓደ ሰብ ሰበይቲ እንተእተወ፥ ዘሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበላ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ ይስደዳ።
እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ፀልኣ፥ ናይ መፍትሒኣ ፅሑፍ ኣብ ኢዳ ሂቡ ኻብ ገዛኡ እንተ ሰደዳ፥ ወይ ድማ እንተ ሞተ፥