6 ኢዮስያስ ነጊሱ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “እዛ ኸዳዕ እስራኤል ዝገበረቶዶ ርኢኻ? ኣብ ኵሉ ነዋሕቲ እምባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ከይዳ ኣመንዘረት።
ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነዋሕቲ ዀረብታታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንጣዖት ዝሰግዱሉ በረኽትን ሓወልቲ ጣዖት ኣስታሮትን ንጣዖት ዘምልኹሉ ኣዕማድን ሰርሑ።
ኢዮስያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ።
ብተግባራቶም ረኸሱ፤ ብግብሮምውን ኣመንዘሩ።
ኣቱም ደቂ እታ ኣስማተኛን፥ ዘርኢ ዘማውን፥ ኣመንዝራን፥ ናብዙይ ቅረቡ።
ኣብ ልዕል ዝበለን፥ ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባን፥ ዓራትኪ ኣንፀፍኪ፤ ኣብኡ ድማ ንጣዖት መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርቢ ደየብኪ።
ኢዮስያስ ወዲ ኣሞፅ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመቱ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ።
ንሳቶም ናብ ሓጢኣት እቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝኣበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመለሱ። ንኸምልኹዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዓቡ። ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኹዎ ኪዳነይ ኣፍረስዎ።
ደቆምውን ነቶም ንዝኽሪ ጣዖት ኣስታሮት ተብሂሉ ዝተሰርሐ መሰውኢታትን ምስልታትን፥ ነቶም ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኣእዋምን ኣብ ዝበረኸ ኾረብታታትን ዘለዉ ይዝክሩ ኣለዉ።
ነዛ ኸዳዕ እስራኤል ብሰንኪ ዝሙታ ኸም ዝፈታሕኽዋ ዘመልክት ፅሑፍውን ከም ዝሃብክዋ፥ ሪኣ እታ ጠላሚት ሓፍታ ይሁዳ ኣይፈርሐትን፤ ከይዳውን ከም ዘመንዘረት ረአኹ!
ኣቲ ኸዳዕ ጓል፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትንከራተቲ? እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩሞ፤ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።”
ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ፈፂሞም ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ግናኸ በቲ ኽፉእ ሓሳብን ህልኽ ልቦምን ደኣ ኸዱ፤ ክንዲ ንቕድሚት ምድፋእ፥ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመለሱ እምበር፥ ንኣይስ ኣይሰምዑንን፤ ኣእዛኖም ድማ ናባይ ፅን ኣየበሉን።
ስለዙይ ኣቲ ዘማዊት ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፤
ናብታ ‘ክህቦም እየ’ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ምስ ኣእተኽዎም፥ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኰረብታን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፤ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፤ ኣብኡ ኸዓ ዘቘጥዕ መባእ ኣቕረቡ፤ ኣብኡ ድማ ጥዑም መዓዛኦም ዓጠኑ፤ ኣብኡውን መስዋእቲ መስተኦም ከዓዉ።
“ኦሆሊባ ሓፍታ ኸዓ እዙይ ረአየት፤ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፤ ምንዝርናኣ ድማ ኻብ ምንዝርና ሓፍታ በዝሐ።
ስማተን ከዓ እታ ዓባይ ኦሆላ፥ እታ ሓፍታ ድማ ኦሆሊባ፥ ይበሃላ ነበራ፤ ናተይ ኮና፤ ኣወዳትን ኣጓላትን ድማ ወለዳ፤ ስማተን ከዓ ኦሆላ ሰማርያ እያ፤ ኦሆሊባ ድማ ኢየሩሳሌም እያ።
ህዝበይ ብምዕማፅ፥ ልቡ ኻባይ ረሓቐ። ናብቲ ልዑል እንተ ፀውዕዎም እኳ፥ ልዕል ልዕል ከብሎም ኣይኽእልን።”
ኣብ ርእሲ እምባታት ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ኾረብታታት፥ ኣብ ትሕቲ ፅቡቕ ፅላል ዘለዎ ኣውሕን ስየን ፅሕድን፥ ዕጣን ይዓጥኑ። ስለዙይውን ኣዋልድኩም ይምንዝራ፤ መራዑትኩም ድማ ይዝምዋ።
ንሳቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ተኸቲሎም ኣመንዘሩን ሰገዱሎምውን፤ ነቶም መራሕቶም ከዓ ኣይሰምዕዎምን። ኣቦታቶም ይኸድዎ ኻብ ዝነበሩ መንገዲ ቐልጢፎም ረሓቑ፤ ኣቦታቶም ንእግዚኣብሄር ከም ዝተኣዘዙ፥ ከምኣቶም ኣይገበሩን።