Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 3:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ብሰንኪ እዙይ ሰርቢ ዝናም ተኸልከለ፥ ዝናም ፅብሓትውን ኣይዘነመን። ንስኺ ግና ገፅ ኣመንዝራ ስለ ዘለኪ ምሕፋር ኣበኺ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 3:3
28 Referencias Cruzadas  

ንፅባሒቱ ድማ እታ በዅሪ ነታ ንእሽተይ “እንሆ፥ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ። በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፥ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኽነትርፍ ድማ፥ ንስኺ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ” በለታ።


ምስማዕ ኣበዩ፤ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራትውን ኣይዘከሩን፤ ክሳውዶም ኣትሪሮም፥ ብዓመፃኦም ናብ ባርነት ግብፂ ንኽምለሱ ሓለቓ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕረታን ሰናይን ርህሩህን ኢኻ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ በዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፥ ኣይሓደግካዮምን።


ክፉእ ሰብ ገፅ ድርቅና የርኢ፤ ቅኑዕ ሰብ ግና መንገዱ የፅንዕ።


ከባድሞ እየ፤ ኣይዅስኰስን ኣይቝረፅንውን እዩ። እሾዅን ኳዂቶን ከዓ ኽበቝሎ እዩ፤ ዝናም ከየዝንሙሉ ንደመናት ክእዝዞም እየ።”


ብዛዕባ ድርቂ ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦


ካብ ማእኸል እቶም ጣዖታት ኣህዛብ፥ ዝናም ከዝንም ዝኽእል ኣሎዶ? ሰማይከ ባዕሉ ዝናም ከውርድዶ ይኽእል እዩ? ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ እዝ ዅሉ እትገብር ንስኻ ኢኻ እሞ፥ ተስፋና ኣባኻ ንገብር ኣለና።


እቶም ዓበይቲ ነቶም ኣናእሽቱ፥ ማይ ከምፅኡ ለኣኽዎም፤ ንሳቶምውን ናብ ጕድጓድ መፁ፤ ግና ማይ ኣይረኸቡን፤ ማይ ዘይብሉ ዓታሩ ኸዓ ሒዞም ተመለሱ። ስለ ዝሓፈሩን ስለ ዝሓነኹን ከዓ፥ ርእሶም ተጐልበቡ።


ዝናም ስለ ዘይዘነመ እታ ምድሪ ተጨዳደደት፤ ሓረስቶት ድማ ሓፊሮም ርእሶም ተጐልበቡ።


“ዝጥቕለል መፅሓፍ ውሰድ እሞ፥ እቲ ብዛዕባ እስራኤልን ብዛዕባ ይሁዳን ብዛዕባ ዅላቶም ካልኦት መንግስታትን፥ ካብቲ ዝተዛረብኩኻ መዓልቲ፥ ካብቲ ኢዮስያስ ዝነገሰሉ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝነገርኩኻ ዅሉ ቓላት ኣብኡ ፀሓፎ።


ብልቦም ከዓ፥ በብጊዜኡ ዝናም ፅድያን ቀውዕን ንዝህበና፥ ምዱባት ሰሙናት ቀውዒውን ዝሰርዐልና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሓዮ ኣይበሉን።


በደልኩም ነዙይ ኣትረፈልኩም፤ ሓጢኣትኩምውን ሰናይ ነገር ከይትቕበሉ ኣኽለአኩም።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻዶ፥ ሓቂ ኣይኮናን ዝደልያ? ወቓዕኻዮም ግና ኣየሕመሞምን። ደቘስካዮም ግና ኣይተቐፅዑን፤ ገፆም ከም ኰዅሒ ኣትረሩ፤ ብንስሃ ምምላስውን ኣበዩ።


ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ምንም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ምስ ቀፃዕኹዎም ከዓ ፃሕ ኢሎም ክወድቁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


ርኽሰት ስለ ዝገበሩዶኸ ኽሓፍሩ እዮም? ፈፂሞም ኣይሓፍሩን፤ ሓፍረት እንታይ ምዃኑ እኳ ኣይፈልጡን። ስለዙይ ምስቶም ዝወድቁ ኽወድቁ፥ ብጊዜ ቕፅዓቶም ከዓ ፃሕ ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ኣነ ድማ “እታ ሃገር፥ ሓደ እኳ ብኣኣ ዝሓልፍ ዘየለ ኾይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍአትስ ስለ ምንታይ እዩ? እቲ ነዙይ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዙይ ክገልፆኸ ኣፍ እግዚኣብሄር ንመን ተዛረበ?” በልኩ።


ግናኸ ዅሉ ቤት እስራኤል፥ ግምባሮም ተሪር፥ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፥ ቤት እስራኤል ክሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝኾኑ፥ ንኣኻውን ኣይሰምዑኻን እዮም።


ንሓይሊ ትዕቢትኩም ክሰብሮ እየ፤ ንሰማይኩም ከም ሓፂን፥ ንምድሪኹም እውን ከም ነሃስ ክገብሮ እየ።


“ቀውዒ እንተይበፅሐ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፤ ኣብታ ኻልእ ከተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብ ሓደ ወገን ዘነመ፤ ኣብቲ ኻልእ ወገን ግና ኣይዘነመን፤ ስለዙይውን ሃጐጐ።


ናይ ክልተ ወይ ናይ ሰለስተ ኸተማታት ሰባት ናብ ሓንቲ ኸተማ ማይ ክሰትዩ ኸዱ፥ ግና ኣይረወዩን፤ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን” ይብል እግዚኣብሄር።


ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፥ እቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እንተይወፀ፥ እቲ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ እንተይሓለፈ፥ እቲ ርሱን ቍጥዓ እግዚኣብሄር እንተይመፀኩም፥ እታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተየርከበትኩም፥ ተኣከቡ።


ኣብ ማእኸላ ዘሎ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ፤ ክፉእውን ኣይገብርን፤ ንግሆ ንግሆ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውፅእ፥ ተሓቢኡውን ኣይተርፍን እዩ፤ እቲ ዓማፂ ግና ኣይሓንኽን።


ኣነውን ኣብ ልዕሊ ንዅሉ ምድርን ኣብ ልዕሊ እምባታትን፥ ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን፥ ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውኩምን ድርቂ ፀዋዕኹ።”


ኣብ ልዕሊ ርእስኹም ዘሎ ሰማይ ነሃስ፥ ኣብ ትሕቴኹም ዘላ ምድሪ ኸም ሓፂን ክትኮነኩም እያ።


እምበኣር ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ፤ እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ፥ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘየምለጡ፥ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ምስማዕ እንተ ኣበና፥ ከመይ ኢልና ኽነምልጥ ንኽእል?


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos