25 ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበና፥ ንሕናን ኣቦታትናን፥ ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፥ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንብል፤ ነውርና ኸዓ የጐልብበና።
ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፤ ዓመፅና፥ ክፉእውን ገበርና።
ኣቦታትና ኣብ ግብፂ እንተለዉ፥ ነቲ ዝገበርካዮ ዘደንቅ ተኣምራት ኣየስተውዓልዎን፤ ነቲ ብዙሕ ምሕረትካውን ኣይሓሰብዎን፤ ብባሕሪ ኤርትራ ምስ ሓለፉ ዓመፁ።
እቶም ዘፃልኡኒ ሓፍረትን ውርደትን ይከደኑ፤ ንነውሮምውን ከም ነፀላ ይወንዘፍዎ።
ተግሳፅ ንዘይቕበል ሰብ፥ ድኽነትን ነውርን ይፀንሖ፤ ተግሳፅ ዝቕበል ግና ይኸብር።
“ስለ ምንታይከ ድምፂ መምህራነይ ዘይሰማዕኹ? ስለ ምንታይከ ዘየድሃብኩሎም?
ኣይሰማዕኻን፤ ኣይፈለጥካን፤ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፈተን፤ እዙይ ከዓ ጠላሚ ምዃንካን፥ ካብ ማህፀን እኖኻ ጀሚሮም “ገበነኛ” ኢሎም፥ ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ።
ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ኵልኻትኩም፥ ነበልባልውን ዝሓዝኩም፥ በቲ ሃልሃልታ ሓዊኹምን፥ በቲ ዘንደድኩምዎ ነበልባልን ኪዱ። እምበኣር ካብ ኢደይ እትቕበልዎ እዙይ እዩ፤ ኣብ ሓዘን ድማ ኽትድቅሱ ኢኹም።
ኦ ይሁዳ ብዝሒ ኣማልኽትኻ ኸምቲ ብዝሒ ኸተማታትካ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቝፅሪ መንገድታት ክንድኡ ድማ መሰውኢ ሰርሑሉ።
ስርናይ ዘርኡ፤ እሾዅ ድማ ዓፀዱ፤ ብዙሕ ፀዓሩ፤ ጥቕሚ ግና ኣይረኸቡን፤ ካብ ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ ብኣዝመራኹም ክትሓፍሩ ኢኹም።”
ኦ እግዚኣብሄር! ንኣኻ በዲልና ኢናሞ፥ ንእመን ኣለና። ሓጢኣትናን በደል ኣቦታትናን፥ ተፈሊጡና ኣሎ።
ክድዓትና ብዙሕ እዩ፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና፤ ስለዙይ ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓጢኣትና እኳ እንተ መስከረልና፥ ስለ ስምካ ኢልካ ግበር።
እዝ ዅሉ ዝወረደኪ ብቕኑዕ መንገዲ ንዝመርሐኪ፥ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፥ ስለ ዝሓደግክኒዶ ኣይኮነን?
ክፍኣትኪ ኽግስፀኪ፥ ጥልመትኪ ኸዓ ኽዘልፈኪ እዩ። ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን፥ ንኣይ ዘይምፍራሕን ክንደይ ክፉእን መሪርን ከም ዝኾነ ፍለጢ፤ ኣስተውዕሊውን! ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ኪድሞ ኣብ ኣእዛን ኢየሩሳሌም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካ ድምፂ ኣስምዕ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኸምዙይ ኢልካ ኣውጀሎም” በለኒ። “ፍቕሪ ንእስነትክን፥ መርዓት እንተለኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንን፥ ኣብ ፀምፀም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን፥ ከም ዝተኸተልክኒ፥ እዝክር ኣለኹ።”
ከምቲ ሰራቒ ምስተትሓዘ ዝሓፍር፥ ከምኡ ህዝቢ እስራኤል፥ ምስ ነገስታቶምን ኣሕሉቖምን ካህናቶምን ነቢያቶምን ክሓፍሩ እዮም።
ድኻምን ሓዘንን ክርኢ፥ ዘመነይውን ብሕፍረት ክውድእኸ፥ ስለ ምንታይ ካብ ማህፀን ወፃእኹ?
ተመችዩኪ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ተዛረብኩኺ፤ ግና ኣይሰምዕን በልኪ፤ ካብ ንእስነትኪ ጀሚሩ፥ መንገድኺ ኸምዙይ ነበረ፤ ቃለይውን ኣይሰማዕኽን።
እምበኣርከስ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸም ዝጠለምኪ ተኣመኒ፤ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋም ንጓኖት ኣማልኽቲ ኽትሰግዲ ኣብዙይን ኣብቱይን ፀፋዕፋዕ ከም ዝበልኪ፥ ቃለይውን ከም ዘይሰማዕኺ ተኣመኒ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ካባኻ ምስ ረሓቕኩ፥ ተናሳሕኹ፤ ምስ ተፈለጠኒ ኸዓ ምሕኹልተይ ወቓዕኹ፤ ፀርፊ ንእስነተይ ተሸኪመ እየሞ፥ ሓፈርኩ፤ ሓነኽኩውን’ ኢሉ፥ እንትበኪ ሰማዕኹ።”
“ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ክመፀና እዩ እሞ ኸሊ ተኸደኒ፤ ኣብ ሓሙዅሽቲ ፈፈው በሊ፤ ንሓደ ወዳ ኸም እትሓዝን ሕዘኒ፤ መሪር ብኽያትውን ብኸዪ።
ንኣይ ከቘጥዑ ድዮም? ይብል እግዚኣብሄር፤ ንገፆምስ ሕፍረትዶ ኣይኮነን?
“ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ።
“ኣዒንትና ንብዓት ክቛፅር፥ ቅርንብ ዓይንናውን ማይ ከውሕጅ፥ ቀልጢፈን የልቅሳልና” በሉ።
ኣኽሊል ካብ ርእስና ወደቐ፤ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና እሞ ወይለና።
ኣቦታትና ሓጢኣት ገበሩ፤ ሕዚ ግና የለዉን፤ ንሕና ድማ በደሎም ንፀውር ኣለና።
በለኒውን፥ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ ናብ ደቂ እስራኤል፥ ናብቶም ካባይ ዝዓመፁ ዓመፀኛታት ህዝቢ እልእኸካ ኣለኹ፤ ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዓሚፆሙኒ ኣለዉ።
ኣቱም ቤት እስራኤል እዙይ ምእንታኻትኩም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፥ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፤ ብሰንኪ መንገድታትኩም ሕፈሩን ተዋረዱን” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
“ንሳቶም ድማ ነውሮምን፥ ነቲ ዝገበርዎ ፅያፎምን ደኣ ኽፆሩ እዮም እምበር፥ ብመዓርግ ክህነት ከገልግሉኒ፥ ናብቲ እተቐደሰ ነገረይ፥ ናብቲ ቕድስተ ቕዱሳን ነገር፥ ናባይ ኣይቐርቡን እዮም።
ከሊ ኽዕጠቑ፥ ራዕዲ ኽኽደኑ፥ ኵሉ ገፅ፥ ሕፍረት ክጕልበብ፥ ኵሉ ኣራእሶም ድማ ኽነፅይዎ እዮም።
ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም።
ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ኾይኑ ረኸብክዎ። ነቦታትኩም ድማ፥ ከምቲ ቐዳማይ በኵራት ፍረ ኦም በለስ ረአኽዎም። ንሳቶም ግና ናብ ብዔልፌጎር ኣተዉ፤ ንነውሪ ድማ ተፈለዩ፤ ከምቲ ዝፈተውዎ ኸዓ ርኹሳት ኮኑ።
“ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ሰሪሖም እዮምሞ፥ ከም ዕውር ክሳዕ ዝኸዱ ንሰባት ከጨንቖም እየ፤ ደሞም ከም ማይ ክፈስስ፥ ስጋኦም ከዓ ኸም ጐሓፍ ክጐሓፍ እዩ።”
ካብቲ ሕዚ እትሓፍሩሉ ዘለኹም ነገራት፥ እንታይ ኣፍረኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ፥ ሞት እዩ እሞ።
ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኺዳን ኣይትእተዉ፤ መሰውኢታቶምውን ኣፍርሱ፥ ኢለ ኣዚዘኩም ነይረ። ንስኻትኩም ግና ንቓለይ ኣይሰማዕኹምዎን፤ ስለ ምንታይ ኢኹም እዙይ ዝገበርኩም?