15 ከም ልበይ ዝኾኑ ሓለውቲ ኣባጊዕ ክህበኩም እየ፤ ብፍልጠትን ብምስትውዓልን ክሕልዉኹም እዮም።
ከናፍር ፃድቃን ንብዙሓት ሰባት ይምግባ፤ ዓያሹ ግና ሰኣን ፍልጠት ይሞቱ።
ዝጓስይወን ጓሶት ከተስአለን እየ፤ ድሕሪዙይ ኣይፈርሓን ኣይድንግፃን፥ ካብኣተን ሓንቲኳ ኣይትጐድልን እያ” ይብል እግዚኣብሄር።
ኣቱም ህዝብታት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፤ ነተን ኣብ ርሑቕ ዘለዋ ደሴታት ከዓ፥ እቲ ንእስራኤል ዝበተነ ባዕሉ ኽእክቦ እዩ፤ ከምቲ ጓሳ ንመጓሰኡ ዝሕሉ፥ ክሕልዎ እዩ ኢልኩም ኣውርዩለን።
“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ ጓሶት እስራኤል ተነበ። ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገሮም፦ ነቶም ንርእሶም ጥራሕ ዝጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም! እቶም ጓሶትስ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኮኑን ዝጓስዩ።
ኣነ ድማ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፥ ንዳዊት ባርያይ ከተስአለን እየ፤ ንሱ ኽጓስየን፥ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ።
ዳዊት ባርያይ ከዓ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ፥ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ክኾኖም እዩ፤ ብፍርደይ ከዓ ኽመላለሱ፥ ንሕግጋተይውን ክሕልውዎን ክገብርዎን እዮም።
ጐይታ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “እቲ ቐለቦም በብጊዜኡ ኽህቦም፥ ጐይታኡ ኣብ ቤተሰቡ ዝሸሞ እሙንን መስተውዓልን መጋቢ መን እዩ?
ስለዙይ ንርእስኹምን፥ ነታ ክርስቶስ ብደሙ ዝተቤዘዋ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄርን ክትሕልዉ፥ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም፥ ነቲ ዅሉ መጓሰ ሓልዉ።
ኣብ ማእኸል እቶም ለባማት ዝኾኑ ግና፥ ጥበብ ንናገር ኢና፤ እቲ እንናገሮ ግና፥ ጥበብ እዛ ዓለም፥ ወይ ጥበብ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነን።
እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩም፥ ብእኡ ምእንቲ ኽትዓብዩ፥ ከምቶም ሕዚ ዝተወለዱ ህፃናት፥ ነቲ ፅሩይ መንፈሳዊ ፀባ በሃጉ።
ሕዚ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ስለ ዘይሓለኻ፥ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝኾነ ሰብ ረኺቡ፥ ንእኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሸይምዎ ኣሎ” በሎ።