1 ከምቲ ዝበሃል፦ “ሰብኣይ ንሰበይቱ እንተ ፈትሓ እሞ፥ ንሳ ኻብኡ ኸይዳ ኻልእ ሰብኣይ እንተእተወት፥ ብሓቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ መሊሱዶ ኸእትዋ ይኽእል? እታ ሰበይቲ እቲኣ የመና ዝረኸሰትዶ ኣይኮነትን? ንስኺ ግና ምስ ብዙሓት ፈተውቲ መንዚርክስ፥ ናባይዶ ኽትምለሲ ኢኺ? ይብል እግዚኣብሄር።
ናይ ኣወዳቶምን ኣጓላቶምን፥ ንፁህ ደም ኣፍሰሱ፤ ንጣዖታት ከነዓን ሰውእዎም፤ እታ ምድሪ እውን ብደም ረኸሰት።
ሕጊ እግዚኣብሄር ስዒሮም፥ ስርዓቱውን ለዊጦም፥ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳንውን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፥ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ ረኸሰት፤
ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፤ መእሰሪኺ በተኽኩ፤ ንስኺ ግና ኣየገልግልን በልኪ፤ ኣብ ኵሉ በሪኽ ኰረብታታትን፥ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ኣእዋምን፥ ክተመንዝሪ ደቀስኪ።
ከመይ ኢልኪ ኢኺ “ኣይረኸስኩን፤ ንጣዖት በዓልውን ኣይተኸተልኩን” ትብሊ ዘለኺ? ኣብቲ ለሰ ዘሎ ኣሰር መንገድኺ ተመልከቲ፤ ዝገበርክዮውን ዘክሪ፤ ንስኺ ኸምታ ኣብዙይን ኣብቱይን፥ እትፋንን ግመል ኮንኪ።
“ኣነ ድማ ፍሪኣን ሃብታን ምእንቲ ኽትበልዑ፥ ናብ ፈራዪት ምድሪ ኣእተኹኹም፤ ንስኻትኩም ግና ኣብኣ ምስ ኣተኹም፥ ንምድረይ ኣርከስክምዋ፤ ንርስተይውን ኣርከስኩምዋ።”
ኵሎም ፈተውትኺ ተደምሲሶም እዮም እሞ፥ ኣብ ሊባኖስ ደዪብኪ ኣእውዪ፤ ድምፅኺውን ኣብ ባሳን ዓው ኣቢልኪ ኣስምዒ፤ ኣብ ዓባሪም ኴንኪውን ኣእውዪ።
ኣቱም ጠለምቲ ውሉድ፥ ከሕውየኩም እየሞ፥ ካብ ጥልመትኩም ተመለሱ፤ ንስኻትኩም እንሆ “ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻሞ፥ እኒሀና ናባኻ ንመፅእ ኣለና።
ብቕለት ምንዝርናኣ ነታ ምድሪ ኣርከሰታ፤ ምስ እምንን ምስ ኦምን ከዓ ዘመወት።
ኣቲ ኸዳዕ ጓል፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትንከራተቲ? እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩሞ፤ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።”
“ኦ እስራኤል፥ እንተ ተመለስካ ናባይ ደኣ ተመለስ። ንርኽሰትካ ኻብ ቅድመይ እንተ ኣወጊድካ፥
ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ ምእንቲ ኽትድሕንስ ልብኺ ኻብ ክፍኣት ሕፀቢ። ክሳዕ መኣዝ ኢዩኸ ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ውሽጥኺ ዝነብር?
ቤት። ብለይቲ ኣምሪራ ትበኪ፤ ንብዓታ ኣብ ምዕጕርታ ኣሎ። ካብቶም ናይ ቀደም ፈተውታ ዝነበሩ፥ ሓደ እኳ ዘፀናንዓ የለን። ኵሎም ፈተውታ ጠለምዋ፤ ኵሎም ከዓ ፀላእታ ኾኑ።
ምስቶም ስጋኦም ዝገዘፈ ጐረባብትኺ ግብፃውያን ዘሞኺ፤ ቍጥዓይ ንምልዕዓል ከዓ ዝሙትኪ ኣብዛሕኺ።
ኵሉ እዝ ግብሪ እዙይ “እታ ዘይትሓፍር ኣመንዝራ እትገብሪ፥ ኣብ ኵሉ ወሰን መንገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ ኣብ መተሓላለፊ መንገዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፥ ዋጋ ስለ ዝነዓቕኪ ኸም ካልኦት ኣመንዝራታት ኣይነበርክን፤ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ኾን እዩ እቲ ልብኺ!” ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ስለዙይ ኣቲ ዘማዊት ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፤
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።
ደቀይ፥ ድሕሪ ሕዚ እኖኹም ሰበይተይ ኣይኮነትን፤ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኮንኩን እሞ፥ ተማጐቱ፤ ምስ እኖኹም ተሟጐቱ፤ ምንዝርናኣ ኻብ ገፃ፥ ዝሙታ ኸዓ ኻብ መንጎ ኣጥባታ ተርሕቕ።
ብሰንኪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘምፅእ ርኽሰት፥ ኣብዝ ስፍራዙይ ዕረፍቲ የብልኩምንሞ ተስኡ ኺዱ።
ስለዙይ ከምዙይ በሎም፦ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናባይ ተመለሱ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ “ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“ ‘ኵሉ ንሰበይቱ ዝፈትሕ፥ መፍትሒኣ ዝነግር ፅሑፍ ይሃባ’ ተብሂሉ ኣሎ።
ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውፅእዋ፥ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተላ ብምምንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፥ እቶም ሰብ እታ ኸተማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ይቕተልዋ፤ ክፉእ ዝኾነ ዅሉ ኻብ ማእኸልኩም ኣርሕቕዎ።
እታ ሰበይቲ ወሰኑ ግና ኣብ ልዕሊኡ ኣመንዘረት፤ ሓዲጋቶ ድማ ናብ እንዳቦኣ ናብ ቤተ ልሔም ናይ ይሁዳ ኸደት፤ ኣብኡውን ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጠት።