9 ንሳቶም ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
“ነዞም ነቢያት እዚኣቶም ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ግና ናይ ባዕሎም መልእኽቲ ሒዞም ጐየዩ። እንተይነገርኩዎምውን ትንቢት ተናገሩ።
እቶም ‘ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝኡን ኢኹም’ ዝብሉኹም ነቢያት፥ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ፥ ኣይትስምዕዎም።
ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ።
“ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ ኣክኣብ ወዲ ቆላያን ሴዴቅያስ ወዲ ማዓሴያን፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሱውን ዓይንኹም እናረአየ ኽቐትሎም እዩ።
እዙይ ዝበፅሖም ኣብ እስራኤል ክፍኣት ስለ ዝገበሩ፥ ኣብ ኣንስቲ ብፆቶም ስለ ዝዘመዉ፥ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃል ሓሰትውን፥ ብስመይ ስለ ዝተዛረቡ እዩ። ነዙይ ከዓ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥
ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።