Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 29:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ንኣኣ ሰናይ እንተ ኾነላ፥ ንኣኻትኩምውን ሰናይ ክኾነልኩም እዩሞ፥ ተማሪኽኩም ንዝኸድኩምዋ ኸተማ፥ ሰላምን ሃብትን ተመነዩላ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ፀልዩላ።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 29:7
12 Referencias Cruzadas  

እቲ ዅሉ ኣምላኽ ሰማይ ዝኣዘዞ፥ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ብጥንቃቐ ይወሃብ። ስለ ምንታይከ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቊጥዓ ዝመፅእ?


ንኢየሩሳሌም ሰላም ለምኑ፤ ንዝፈትዉኺውን ልምዓት ይኹን።


ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ንንጉስ “እዝ ሰብኣይ እዙይ ጕድኣት ህዝቢ እምበር፥ ድሕነቱ ዘይደሊ ስለ ዝኾነ፥ ከምዙይ ዘመሰለ ቓል እናተዛረበ፥ ነቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተሪፎም ዘለዉ ተዋጋእትን፥ ንዅሉ ህዝብን ተስፋ የቝርፆም ኣሎ እሞ፥ ነዝ ሰብኣይ እዙይ ኣቕትሎ” በልዎ።


ስለዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ናብ ማእኸል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራትውን እንተ በተንኩዎም፥ ኣብቲ ዘዝመፅዎ ሃገራት ንቑሩብ ጊዜ መቕደስ ክኾኖም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።


ሽዑ እቲ ብልጣሶር ዝስሙ ዳንኤል፥ ሓሳባቱ ስለ ዘጨነቖ፥ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ሓሰበ፤ ልቡውን ተሃወኸ። እቲ ንጉስ ድማ፥ “ብልጣሶር፥ እቲ ሕልሚ ኾነ ትርጕሙ ኣየጨንቕካ” በሎ። ብልጣሶር ከዓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፥ እቲ ሕልሚ ንፀላእትኻ፥ ትርጕሙ ኸዓ ንተፃረርትኻ ይኹን።


ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።


ብፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ዘይኮይኑ ስልጣን የለንሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ በዓል ስልጣን ይተኣዘዝ። እቶም ዘለዉ ሰብ ስልጣንውን፥ ብእግዚኣብሄር ዝተሸሙ እዮም።


ስለዙይ መቕፃዕቲ ፈሪሕኹም ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን፥ ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos