6 ኣንስቲ ኣእቲኹም፥ ኣወዳትን ኣጓላትን ውለዱ፤ ነወዳትኩምን ነጓላትኩምን ከዓ ኣመረዓዕውዎም፤ ንሳቶምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ይውለዱ። ቍፅርኹም ኣብቲ ዘለኹምዎ ምድሪ ይብዛሕ እምበር፥ ኣይውሓድ።
እስማኤል ኣብ ምድረ በዳ ፋራን ይቕመጥ ነበረ። እኖኡ ድማ ኻብ ግብፂ ሰበይቲ ኣምፅአትሉ።
እኒሃ፥ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፤ ሒዝካያ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፥ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን” ኢሎም መለሱሉ።
ንሳቶም ድማ ንርብቃ፦ “ኣቲ ሓፍትና፥ እልፊ ኣእላፋት ፍረዪ፤ ዘርእኺ ድማ ደገ ፀላእቶም ይውረሱ” እናበሉ መረቕዋ።
ላባ ኸዓ፥ “ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፥ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፤ ምሳይ ተቐመጥ” በሎ።
ሴኬም ድማ ነቦኡ ኤሞር “ነዛ ጓል እዚኣ ኣመርዕወኒ” በሎ።
“ንስኻትኩም ግና ብዝሑን ተባዝሑን፤ ንምድሪ ድማ ምልእዋ፤ ኣብኣውን ተባዝሑ።”
ናብቲ ኽትረኽቡሉ እትኽእሉ ቦታ ኼድኩም ባዕልትኹም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ስራሕኹም ግና ሓደኳ ኣይጕደል’ ” በልዎም።
እምበኣር ፀላኢ ኣብ ልዕሊአን ዝዛረቦ ኽፋእ ምእንቲ ኸይረክብ፥ እተን ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ክምርዐዋ፥ ውሉድ ክወልዳ፥ ስድራአን ብግቡእ ከመሓድራ እደሊ ኣለኹ።
ንሱ ሰላሳ ኣወዳትን ሰላሳ ኣጓላትን ነበርዎ፤ ነቶም ኣወዳቱ ኻብ ዘይዓሌቱ ኣጓላት ኣምፅአሎም። ከምኡውን ነተን ኣጓላቱ ናብ ዘይዓሌቱ ሃበን። ንደቂ እስራኤል ከዓ ሸውዓተ ዓመት ፈረዶም።
ተመሊሱ ድማ ነቦኡን ንኖኡን “ኣብ ተምና ሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ጓል ሪአ ኣለኹ እሞ፥ ሕዚ ንኣኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮም።