4 “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ንዅሎም ካብ ኢየሩሳሌም ዘማረኾም ምሩኻት ከምዙይ ይብል፦
ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
“እምበኣርከስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገበሮ ኽነግረኩም፦ ንሓፁሩ ኽነቕሎ እየ፤ መጓሰዪ ኸዓ ክኸውን እዩ፤ ንመካበቢያኡ ኸዓ ኸፍርሶ እየ፤ መራገፂውን ክኸውን እዩ።
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ንዝሰደድክዎ ምርኮ ይሁዳ፥ ከምቲ ፅቡቕ በለስ ብፅቡቕ ክምልከቶም እየ።
‘ቤት ሰሪሕኹም ተቐመጡ፤ ኣታኽልቲ ተኺልኩም ፍረኡ ብልዑ።
መለኸት ኣብ ከተማ እንትንፋሕኸ፥ ህዝብዶ ኣይድንግፅን እዩ? እግዚኣብሄር እንተይኣዘዘኸ፥ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ?