30 ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ኤርሚያስ መፀ፤
ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ምስ ሰባበሮ፥ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ መፀ፦
እቲ ኻህን ሶፎንያስ ከዓ፥ ነዛ ፀብፃብ ኣብ እዝኒ ነቢይ ኤርሚያስ ኣንበባ።
እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥