23 እዙይ ዝበፅሖም ኣብ እስራኤል ክፍኣት ስለ ዝገበሩ፥ ኣብ ኣንስቲ ብፆቶም ስለ ዝዘመዉ፥ ኣነ ዘይኣዘዝክዎም ቃል ሓሰትውን፥ ብስመይ ስለ ዝተዛረቡ እዩ። ነዙይ ከዓ ኣነ እየ ዝፈልጦ እሞ ምስክር እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ነዘን ኣጓላተይ እንተ ገፋዕኻየን ወይ ኣብ ልዕሊኣተን ካልኦት ኣንስቲ እንተእተኻ፥ ዝርኢ ሰብ እኳ ምሳና እንተ ዘየለ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ።
ደቂ ያእቆብ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ በረኻ ኣተዉ። ሴኬም ንጓል ያእቆብ ብምድፋሩ ኣብ እስራኤል ኽግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ የመና ብሕርቃን ነደዱ።
ንሳ ኸዓ “ኣይፋልካን ሓወይ፥ ኣይተነውረኒ፤ ከምዙይ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፥ ነዝ ነውሪ እዙይስ ኣይትግበሮ።
እምበኣርከስ መንገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፥ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነካይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ።
ኣብ ኰረብታታትን ኣብ ሜዳታትን፥ ፅዩፍ ተግባርክን ምንዝርናኽን ሰሓቕክን ሪአ ኣለኹ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ ካብ ርኽሰትኪ እትነፅሂ መኣዝ እዩ?
ዓይነይ ኣብ ኵሉ መንገዶም እዩ፤ ካብ ቅድመይ ክሕብኡ ኣይኽእሉን እዮም። ሓጢኣቶም ከዓ ኻብ ኣዒንተይ ኣይስወርን እዩ።
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩ ነቢያትውን፥ ዘስካሕክሕ ነገር እንትገብሩ ረአኹ፤ ይምንዝሩ፤ ብሓሰት ይመላለሱ፤ ሓደ እኳ ኻብ ክፍኣቱ ኸይምለስ፥ ንኢድ ክፉኣት የበራትዑ። ኵላቶም ከዓ ኸም ሰዶም፥ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከም ገሞራ ኾኑኒ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዞም ነቢያት እዚኣቶም ዝንበዩልኩም ኣይትስምዑ፤ ከንቱነት ይምህሩኹም፤ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወፀ ዘይኮነስ፥ ካብ ልቦም ዝኾነ ራእይ እዮም ዝናገሩ።
“ነዞም ነቢያት እዚኣቶም ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ግና ናይ ባዕሎም መልእኽቲ ሒዞም ጐየዩ። እንተይነገርኩዎምውን ትንቢት ተናገሩ።
እንሆ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕልሚ ሓሰት ዝሓልሙን ዝናገሩን፥ ብሓሰቶምን ብድፍረቶምን ንህዝበይ ኣብ ልዕሊ ዘስሕቱ ነቢያት እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ዝጠቕምዎ የብሎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ብዛዕባ እዞም ብስመይ ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ ኣክኣብ ወዲ ቆላያን ሴዴቅያስ ወዲ ማዓሴያን፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኣነ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፤ ንሱውን ዓይንኹም እናረአየ ኽቐትሎም እዩ።
እዝ መልእኽቲ እዙይ ናብ ኵሎም እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ምሩኻት ለኣኽ፦ ብዛዕባ ሸማያ በዓል ኔሔላም እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሸማያ፥ ኣነ ዘይለኣኽኩዎ ስለ ዝተነበየልኩም፥ ኣብ ሓሰትውን ክትእመኑ ስለ ዝገበረኩም፥
ከምቶም ብኽንክን ዝተቐለቡ፥ ውዑያት ኣፍራስ ከዓ ኾኑ፤ ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብፃዩ ይንህር።
እዛ ብስመይ ዝተሰምየት ቤት፥ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም በዓቲ ጐሓሉትዶ ኾይና እያ? እንሆ፥ ኣነ ባዕለይ ሪአዮ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓበኹምለይ፥ ዘረባኹምውን ኣብዛሕኹምለይ፤ ኣነውን ሰሚዐዮ ኣለኹ።”
ነቢያታ ቐለልትን ተንኰለኛታትን እዮም። ካህናታ ንመቕደስ የርክስዎ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ግፍዒ ፈፂሞም እዮም።
ንስኻትኩም፥ ስለ ምንታይ እዩ ኸዓ ትብሉ ኣለኹም? እዙይ ዝኾነ፥ ናይ ሓዳር ብፀይትኻን፥ ናይ ቃል ኪዳን ሰበይትኻን ኣታሊልካ ኢኻ እሞ፥ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን፥ ኣብ መንጎ ሰበይቲ ንእስነትካን፥ ንዘሎ ቓል ኪዳን ምስክር ስለዝኾነ እዩ።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፥ ኩሉ ነገር ቅሉዕን ስጡሕን እዩ እምበር፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝሕባእ ፍጡር የለን፤ ንእኡ ኸዓ ኢና መልሲ እንህብ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
እቶም ዓበይቲ ገለዓድ ድማ ንዮፍታሔ “እወ፥ እግዚኣብሄር ምስክርና እዩ፤ ከም ቃልካ ኽንገብር ኢና” ኢሎም መለሱሉ።