22 እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም።
ስለዙይ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ኢሉ መረቖም፦ “ ‘እግዚኣብሄር፥ ከም ኤፍሬምን ምናሴን ይግበርካ’ እናበሉ እስራኤል ክምርቑ እዮም።” ያእቆብ ንኤፍሬም ቅድሚ ምናሴ ገበሮ።
ፀላእተይ ኵሉ ጊዜ ይፀርፉኒ፤ እቶም ዘሳጕጉኒውን ኣብ ልዕለይ ተመሓሓሉለይ።
ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።
ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም፥ ምስ ቀምሾምን ባርኖሶምን መጐናፀፍያኦምን ምስ ኵሉ ኽዳውንቶምን ተኣሰሩ፤ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኸዓ ተደርበዩ።
ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ፥ ግና ሽዑ ንሽዑ ናብ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽድርበ እዩ” ኢሉ ኣወጀ።
ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ዝተረገመ ይኹን። ማራናታ!
እቶም ኣብ ባይቶ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዅሎም ህዝብን ዓበይቲ ዓድን ከዓ፥ “መሰኻኽር ኢና፥ ነዛ ናብ ገዛኻ እትኣቱ ሰበይቲ፥ እግዚኣብሄር ከምተን ብሓደ ኾይነን ንቤት እስራኤል ዝሃነፃ፥ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ንስኻ ኸዓ ኣብ ኤፍራታ ሃፍታም ኩን፤ ኣብ ቤተ ልሔምውን ስምካ ይፀዋዕ።