2 እዙይ ዝኾነ፥ ኢኮንያንን እኖኡ ንግስትን ናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣንን ኣሕሉቕ ይሁዳን ኢየሩሳሌምን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፂንን ካብ ኢየሩሳሌም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ምስ ከዱ እዩ።
ካብቶም ካባኻ ዝወፁ ካብ እትወልዶም ደቅኻ ተማሪኾም፥ ክውሰዱ እዮም፤ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን ድማ ስሉባት ኮይኖም ከገልግሉ እዮም’ ” በሎ።
ኢዩ ኸዓ ገፁ ናብ መስኮት ኣንቃዕሪሩ፥ “ምሳይ ዝሓብር መን ኣሎ? መን?” በለ። ሽዑ ኽልተ፥ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ንታሕቲ ጠመቱ።
ንንጉስን ንወላዲት ንጉስን፥ “እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፥ ‘ትሕት ኢልኩም ተቐመጡ’ ” ኢልካ ንገሮም።
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ምስ ኣሕሉቕ ይሁዳን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፃውንን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝተቐመጣ፥ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ።
ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየሞ፥ ንኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ንዅላቶም ናብ ባቢሎን ዝተወሰዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
እምበኣር ኣቱም ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ባቢሎን ዝሰደድኩኹም ምሩኻት፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኣቢሜሌክ፥ ንኤርሚያስ ናብ ጕድጓድ ከም ዘእተውዎ ሰምዐ፤ ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብታ በሪ ብንያም ተቐሚጡ እንተሎ፥
ፍልስጥኤማውያን ድማ “ዕብራውያን ሰይፊ ወይ ኲናት ኣይስርሑ” ኢሎም ስለ ዝነበሩ፥ ኣብ ኵሉ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጢ ሓፂን ኣይነበረን።