Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኤርሚያስ 29:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 “እንሆ፥ ሰይፍን ጥሜትን መቕሰፍትን ክሰደሎም እየ፤ ከምቲ ኻብ ምብልሻዉ ዝተልዓለ ኽብላዕ ዘይከኣል ሕማቕ በለስ ክገብሮም እየ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።

Ver Capítulo Copiar




ኤርሚያስ 29:17
14 Referencias Cruzadas  

“እቲ ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዘይግዛእ ክሳዱውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባቢሎን ዘይገብር ህዝብን መንግስትን፥ ብኢዱ ኽሳዕ ዘጥፍኦ ብሰይፍን ብመቕሰፍትን ክቐፅዖ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።


ብሰይፍን ብጥሜትን ብመቕሰፍትን ክሰጎም፥ ኣብ ኵሎም መንግስታት ምድሪ ኸዓ ፋሕ ከብሎም እየ። ኣብ ኵሎም እቶም ኣነ ናብኣቶም ዝሰጐጕክዎም ህዝብታት ድማ፥ ንመራገምን ንመገረምን ንመላገፅን ንመፃረፍን ክኾኑ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።


“ነታ ኸተማ ኽሕዝዋ ድልድል ሓመድ ሰሪሖም ኣለዉ። እታ ኸተማ ኸዓ ብሰንኪ ውግእን ጥሜትን መቕሰፍትን ኣብ ኢድ እቶም ዝዋግኡዋ ባቢሎናውያን ክትወሃብ እያ። እቲ ዝበልካዮ ኸዓ እንሆ፥ ከምቲ እትሪኦ ዘለኻውን እናተፈፀመ እዩ።


ንሱ ኽመፅእ እዩ፤ ንሃገር ግብፂ ኸዓ ኽወቕዓ እዩ። ሽዑ እቲ ዝመውት ንሞት፥ እቲ ዝማረኽ ንምርኮ፥ እቲ ዝስየፍ ንሰይፊ ኽውፈ እዩ።


ኣብ ታሽዐይቲ መዓልቲ ናይታ ራብዐይቲ ወርሒ፥ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርቲዑ ስለ ዝነበረ፥ ህዝቢ እታ ሃገር ዝበልዖ ሰኣነ።


ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ክኸውን እዩ፤ ኣብ ሰማይውን ዘርዕድን፥ ዓብዪ ምልክትን ክኸውን እዩ።


በተን መዓልቲታት እቲኣተን ግና፥ ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን! ኣብ ምድሪ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ህዝቢ እዙይ ድማ፥ መዓት ክወርድ እዩ እሞ።


እንሆ ድማ ግራጫ ፈረስ ረአኹ፤ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረውን፥ ሞት እዩ። ሲኦልውን ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ራብዓይ ክፋል ምድሪ ብዅናት፥ ብጥሜት፥ ብፌራ፥ ብኣራዊት ምድሪ ገይሮም፥ ንኽቐትሉ ስልጣን ተውሃቦም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos