11 ንኣኻትኩም ዘለኒ ሓሳብ ኣነ እፈልጦ እየ፤ ሰናይ ፍፃመን ተስፋን ክህበኩም፥ ናይ ሰላም ሓሳብ እምበር፥ ናይ ክፉእ ሓሳብ ኣይኮነን።
“ንሱ ግና በይኑ እዩ፤ ንእኡ ዝመስሎ መን እዩ? ነፍሱ ዝፈተወቶውን እዩ ዝገብር።
ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር፤ ሓሳባት ልቡውን ንውሉድ ወለዶ እዩ።
ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን፤ እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
ግና ኽብሪ ኣብ ምድርና ምእንቲ ኽሓድር እዩ፤ ምድሓኑ ነቶም ዝፈርሕዎ ቐረባ እዩ።
ደጊም ቍጥዓ የብለይን፤ ኳዂቶን እሾዅን ክዋግኡኒ እንተ ዝትስኡ፥ ተሲአ ብሓደ መቃፀልክዎም።
“እንሆ ንዳዊት ፃድቕ ጨንፈር ዘተስአለን መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ። ንሱውን ፍትሕን ፅድቅን ዝገብር፥ ብጥበብ ዝገዝእ ንጉስ ይኸውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ብዘመኑ ይሁዳ ኽድሕን፥ እስራኤል ድማ ብሰላም ክነብር እዩ፤ ዝፅወዐሉ ስምውን ‘እግዚኣብሄር ፅድቅና’ ዝብል እዩ።
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣብዝ ስፍራ እዙይ ናብ ምድሪ ባቢሎናውያን ንዝሰደድክዎ ምርኮ ይሁዳ፥ ከምቲ ፅቡቕ በለስ ብፅቡቕ ክምልከቶም እየ።
“ስለዙይ ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ ኣይትፍራሕ፤ ኣታ እስራኤል፥ ኣይትደንግፅ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ እንሆ ኣነ ንኣኻ ኻብ ርሑቕ፥ ንዘርእኻውን ካብቲ ዝተማረኹሉ ሃገር፥ ከናግፎም እየ። ያእቆብ ክምለስ እዩ፤ ብሰላምን ብህድኣትን ክነብር እዩ፤ ዘፍርሖውን ኣይህሉን።
ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን፥ ነቲ ኣነ ዘተስአሎም ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ንጉስን ክግዝኡ እዮም።
ይኹን እምበር ፈውስን መድሓኒትን ከምፅአላ እየ፤ ክፍውሶምውን እየ፤ ብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ኽገልፀሎም እየ።
ሰብ ምድሓን እግዚኣብሄር፥ ብህድኣት ተስፋ እንተ ገበረ ሰናይ እዩ።
ስለዙይ ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ናብ ማእኸል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕክዎም፥ ኣብ ማእኸል ሃገራትውን እንተ በተንኩዎም፥ ኣብቲ ዘዝመፅዎ ሃገራት ንቑሩብ ጊዜ መቕደስ ክኾኖም እየ” ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈልጡን እዮም፤ ንምኽሩውን ኣየስተውዕሉን፤ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ኣኪብዎም እዩሞ።
ንባሮተይ ነቢያት ዝኣዘዝኩዎም ቃለይን ስርዓተይን፥ ነኣቦታትኩምዶ ኣይበፅሑን እዮም? ንሳቶም ግና ተመሊሶም “ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ከም መጠን መንገድናን ግብርናን ክገብረና ኢሉ ዝሓሰቦ፥ ከምኡ ገይሩና” በሉ።
ኣነ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ሳልሳይ ኣፍ፥ ናብ ሓዊ ኸእትዎም እየ፤ ብሩር ብሓዊ ኸም ዝዅላዕ ክዅልዖም፥ ወርቂ ብሓዊ ኸም ዝፍተን ከዓ ኽፍትኖም እየ። ንሳቶም ስመይ ክፅውዑ እዮም፤ ኣነውን ክሰምዖም እየ። ኣነ እዙይ ህዝበይ እዩ፤ ንሳቶም ከዓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ኽብሉ እዮም።”