8 እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝተስኡ ነቢያት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ውግእን መዓትን መቕሰፍትን ከም ዝመፅእ ተነበዩ።
ሓደ ኻብቶም ኣብ ገለዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቴስቢያዊ ንኣክኣብ “በዘን ዓመታት፥ እዚኣተን እንትርፊ ብቓል ኣፈይ፥ ኣውሊ ኾነ ዝናም ከም ዘይኸውን፥ በቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝቖምኩ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እምሕል ኣለኹ” በሎ።
ነቢይ ሚክያስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ንዅሎም ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ኣብ እምባ ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም መራሒ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ’ በለ።”
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ድማ ንኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንጥይቖ ሚክያስ ወዲ ይምላ ዝበሃል ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፤ ግና ንሱ ኽፉእ እምበር ፅቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፥ ኣነ እፀልኦ እየ” በሎ። ኢዮሳፍጥ ከዓ “ንጉስ፥ ከምኡ ኣይበል” በሎ።
ኢሳይያስ ወዲ ኣሞፅ ብዛዕባ ባቢሎን ዝረአዮ ፆር።
መንትጎም ነጕባዝ ከውድቖም እዩ፤ ንፍረ ማህፀን ድማ ኣይምሕሩን እዮም፤ ኣዒንቶምውን ንህፃናት ኣይርህርሁሎምን እዮም።
እዝ ቓል እዙይ፥ ኣሞፅ፥ ሓደ ኻብቶም ጓሶት ቴቁሔ ዝነበረ፥ ብዘመን ኣዛርያስ ንጉስ ይሁዳን፥ ብዘመን ኢዮርብዓም ወዲ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤልን፥ ክልተ ዓመት ቅድሚ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ ቓል እዙይ እዩ።
ንሱውን ከምዙይ በለ፦ “እግዚኣብሄር ኣብ ፅዮን ኮይኑ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ የስምዕ፤ ካብ ኢየሩሳሌምውን ቃሉ ይህብ፤ እቶም መዋፈሪ ጓሶት ይበኽዩ፤ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅፅ።”
ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብ ነነዌ፥ ናብታ ዓባይ ከተማ ኺድ፤ ኣነ ዝነግረካ ስብከት ስበኸላ” በሎ።