7 ግና ነቲ ኣብ ቅድሜኻን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እዝ ህዝቢ እዙይን ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ስማዕ፦
ሚክያስ ድማ “ርግፅ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፥ እምበኣር እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን” ኢሉ መለሰሉ። ወሲኹ ከዓ “ኣቱም ህዝቢ ዅልኻትኩም ስምዑኒ!” በለ።
እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝተስኡ ነቢያት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ውግእን መዓትን መቕሰፍትን ከም ዝመፅእ ተነበዩ።