5 ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ቆይሙ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን፥ ንነቢይ ሃናንያ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦
ደቂ ፈዳያ፦ ዘሩባቤል፥ ስሜኢ እዮም። ደቂ ዘሩባቤል፦ ሜሱላም፥ ሓናንያ፤ ሰሎሚት እትበሃል ሓፍቲ ድማ ነበረቶም።
ኤርሚያስውን ካብቲ እግዚኣብሄር ትንቢት ክናገር ልኢኹዎ ኻብ ዝነበረ ቦታ ኻብ ቶፌት ተመለሰ፤ ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ ደው በለ፤ ነቶም ህዝቢ እውን ከምዙይ በሎም፦
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ኣብቲ ዓፀድ ቤት እግዚኣብሄር ቁም እሞ፥ ንዅሎም እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሰግዱ፥ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝመፁ፥ እዝ ዅሉ ኣነ ንገሮም ኢለ ዝእዝዘካ ዘለኹ ቓላት፥ ሓንቲ ቓል እኳ እንተየጕደልካ ንገሮም።
በታ ዓመት እቲኣ ሴዴቅያስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሸይቲ ወርሒ ናይታ ራብዐይቲ ዓመት፥ ሃናንያ፥ ወዲ ነቢይ ዓዙር በዓል ገባዖን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናትን ኵሉ ህዝብን ከምዙይ ኢሉ ተዛረበኒ፦
“ኣብ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ደው በል፤ እዝ ቓል እዙይውን ከምዙይ ኢልካ ተናገር፦ ኣቱም ንእግዚኣብሄር ክትሰግዱ በዘን ደገታት እዚኣተን እትኣትዉ ሰብ ይሁዳ ኵልኻትኩም፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፦