16 ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እንሆ፥ ካብ ገፅ ምድሪ ኸርሕቐካ እየ፤ ኣብ ልዕለይ ክሕደት ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፥ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኽትመውት ኢኻ’ ይብለካ ኣሎ” ኢሉ ነገሮ።
ኣነ ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝናም ከዝንም እየሞ፥ ነቲ ዝፈጠርክዎ ዅሉ ህይወት ዘለዎ ድማ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ” በሎ።
እዝ ሓጢኣት እዙይ ከዓ ንመንግስቲ ኢዮርብዓም ኣውደቓ፤ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ከም እትጠፍእ ገበራ።
ስለ ምንታይከ ግብፃውያን ‘ኣብ እምባታት ምእንቲ ኽቐትሎም፥ ካብ ገፅ ምድሪ እውን ፈፂሙ ምእንቲ ኸጥፍኦም እዩ ዘውፅኦም’ ኢሎም ዝዛረቡ? ካብቲ ብርቱዕ ቝጥዓኻ ደኣ ተመለስ፤ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኽተውርዶ ዝሓሰብካዮ መዓት ድማ ተመለስ።
ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።”
ነቢይ ሃናንያ ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ ናይታ ዓመት እቲኣ ሞተ።
ንዅሉ እቲ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ዝወሰዶ ኣቑሑ፥ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶ እየ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ክሕደት ተዛሪቡ እዩሞ፥ እንሆ፥ ንሸማያ በዓል ኔሔላምን ንዘርኡን ክቐፅዖም እየ። ኣብ ማእኸል እዝ ህዝቢ እዙይ ዝተርፍ ውሉድ ሓደ እኳ ኣይህልዎን እዩ። እቲ ኣነ ንህዝበይ ዝገብረሉ ሰናይ ድማ ኣይርእን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፤ ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅኻ፥ ብሰይፊ ኽወድቑ እዮም፤ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል እያ፤ ንስኻውን ኣብ ዝረኸሰት ሃገር ክትመውት ኢኻ። እስራኤልውን ብርግፅ ካብ ሃገሩ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።”
እንሆ፥ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዛ ሓጥእ ዝኾነት መንግስቲ እየን፤ ካብ ገፅ ምድሪ ኸዓ ኸጥፍኣ እየ። ግና ንዘርኢ ያእቆብ ፈፂመ ኣየጥፍኦን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ተቐሲፎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።
ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ሸውዓተ ዝራብዓት፥ ክልተ ማጓሉ፥ ዓመት ዝገበሩ ዓሰርተ ኣርባዕተ ጡበታት ኣባጊዕ፥ ኵሎም ጐደሎ ዘይብሎም ሰውኡ።
ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ደኣ ኣምሊኽኩም ግና እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ቍጥዓኡ ኣባኻትኩም ነዲዱ ኻብ ገፅ ምድሪ ኸጥፍአኩም እዩ።