13 “ናብ ሃናንያ ኺድ እሞ ‘ንስኻ ኣርዑት ዕንፀይቲ ሰበርካ፤ ክንድኡ ግና ኣርዑት ሓፂን ክሰርሕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፤ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም መኸርዎ።
ንሱ ነቲ ናይ ነሃስ በርታት ሰቢሩ እዩ እሞ፤ መሸጐር ሓፂናትውን ቈራሪፁ እዩ እሞ።
ንነገስታቶም ብሰንሰለት፥ ንመራሕቶም ከዓ ብመቝሕ ሓፂን ክኣስሩ፥
“ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፥ ንእምባታት ከተኻኽሎ፥ ንማዓፁ ነሃስ ክሰባብሮ እየ፤ ንመሸጐር ሓፂን ድማ ኽቘራርፆ እየ።
ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ።
“ኣርዑትን መእሰርን ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ።
ኖን። “ኣርዑት በደለይ ብኢዱ ተትሓዘት፤ ተጠላሊፉ ድማ ኣብ ክሳደይ ተጠምጠመ፤ ንሓይለይውን ኣድከሞ፤ ጐይታ ናብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ ፀላእተይ ኣሕሊፉ ሃበኒ።”
ኖን። ነቢያትኪ ሓሰትን ከንቱን ሪኦምልኪ እዮም፤ ምርኮኺ ኽምልሱ፥ ሓጢኣትኪ ኣይገለፁን፤ ከንቱን ዘይረብሕን ነገር ሪኦምልኪ እዮም።
ኣርዑት ግብፂ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፥ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፥ ኣብ ጣፍናስ፥ መዓልቲ ኽትፅልምት እያ፤ ደመናውን ከጐልብባ እዩ፤ ኣዋልድ ደቃ ድማ ኽማረኻ እየን።
ስለዙይ ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልኩም ፀላእትኹም ኣብ ጥሜትን ኣብ ፅምእን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝእዎም ኢኹም። ክሳዕ ዘጥፍኡኹም ከዓ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድኩም ከንብሩልኩም እዮም።