11 ኣብ ቅድሚ ዅሉ እቲ ህዝቢ “እግዚኣብሄር ‘ከምዙይ ገይረ ነርዑት ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን፥ ካብ ክሳድ ኵላቶም ህዝብታት ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ዓመት እዚኣተን ከምዙይ ክሰብሮ እየ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተዛረበ። ነቢይ ኤርሚያስ ድማ መንገዱ ኸደ።
ንሱ ኸዓ “ኣነውን ከማኻ ነቢይ እየ፤ መልኣኽ ድማ ‘እንጀራ ኽበልዕን ማይውን ክሰትን ናብ ገዛኻ ምለሶ’ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ኣዚዙኒ እዩ” በሎ። ግና እቲ ኣረጊት ነቢይ ሓስዩ እዩ ኸምኡ ዝበለ።
ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ነቢያት ኣኪቡ “ንሬማት ዘገለዓድ ክዋግኣ ክኸይድዶ ወይ ክተርፍ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩሞ ውፃእ” በልዎ።
ሓደ ኻብኣቶም ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ‘ንሶርያውያን ክሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ይብል ኣሎ” ኢሉ ተነበየ።
ካብ ቅድሚ ዓሻ ረሓቕ፤ ካብኡ ኸንፈር ፍልጠት ኣይትረክብን ኢኻ።
እግዚኣብሄር ግና “እቶም ነቢያትስ ብስመይ ሓሰት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን ወይ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብክዎምን፤ ንሳቶምስ ራእይ ሓሰትን ጥንቈላን ከንቱነትን ዝኾነ፥ ናይ ልቦም ጥበራ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ።
ንሳቶም ነቶም ንኣይ ዝንዕቑ፥ እግዚኣብሄር ‘ሰላም ክኾነልኩም እዩ’ ኢሉ፥ ይብልዎም፤ ነቶም ብትረት ልቦም ዝመላለሱ ዅላቶም ድማ ‘ክፉእ ነገር ኣይነኽአኩምን እዩ’ ይብልዎም።”
ሽዑ ነቢይ ኤርሚያስ ንነቢይ ሃናንያ “ኦ ሃናንያ፥ ስማዕ፤ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸካን፤ ንስኻ ግና እዝ ህዝቢ እዙይ ኣብ ሓሰት ክእመን ጌርካ ኢኻ።
ንሳቶም ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፥ ‘እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ’ እትብሉ ዘለኹም ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝረአኹምዎ? ትንቢት ሓሰትዶኸ ኣይኮነን እተዛረብኩምዎ?”