10 ሽዑ ነቢይ ሃናንያ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳድ ነቢይ ኤርሚያስ ወሲዱ ሰበሮ።
ሴዴቅያስ ወዲ ክንዓና ኸዓ ኣቕርንቲ ሓፂን ሰሪሑ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ንሶርያውያን፥ ክሳዕ ዝውድኡ፥ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ’ ” ኢሉ ተነበየ።
“ኣርዑትን መእሰርን ግበር እሞ ኣብ ክሳድካ ኣእትዎ።
“ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ሰቢረዮ እየ።
ነርዑት ንጉስ ባቢሎን ክሰብሮ እየሞ፥ ንኢኮንያን ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳን ንዅላቶም ናብ ባቢሎን ዝተወሰዱ ምሩኻት ይሁዳን ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
እቶም ‘ንጉስ ባቢሎን፥ ናባኻትኩምን ናብዛ ሃገር እዚኣን ኣይመፅእን እዩ’ ኢሎም ዝንበዩልኩም ዝነበሩ ነቢያት ደኣ ኣበይ ኣለዉ?
ኣርዑት ግብፂ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፥ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፥ ኣብ ጣፍናስ፥ መዓልቲ ኽትፅልምት እያ፤ ደመናውን ከጐልብባ እዩ፤ ኣዋልድ ደቃ ድማ ኽማረኻ እየን።
“ኣብ ልዕለይ፥ ቃል ድፍረት ተናጊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ‘ኣብ ልዕሌኻ ደፊርና ዝተናገርናዮ እንታይ እዩ?’ ትብሉ ኣለኹም።