9 ንስኻትኩም ነቶም ንንጉስ ባቢሎን ኣይትግዝእዎን ኢኹም፤ ዝብሉኹም ነቢያትኩምን ጠንቈልትኹምን፥ ሕልሚ ዝሓልሙልኩምን፥ መናፍስቲ ዝጥይቑልኩምን፥ ሰብ ኣስማትኩምን ኣይትስምዕዎም።
“ንጠንቋሊት ብህይወት ክትነብር ኣይትሕደጋ።
ፈርዖን ድማ ነቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ፀውዖም። እቶም ጠንቈልቲ ግብፂውን ብስራዮም ከምኡ ገበሩ።
ወደይ፥ ነቲ ኻብ ፍልጠት ዘርሕቐካ ምኽሪ ኣይትስምዓዮ።
ንሳቶም፦ “ብሕሽዅሽዅን ብሰላሕላሕን ንዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ” እንተ በሉኹም፥ ንስኻትኩም “ህዝቢ ንኣምላኽዶ ኣይኮነን ዝጥይቕ? ወይ ከዓ ንህያዋን ኢሎም ንምዉታንዶ ይጥየቑ እዮም?” ኢልኩም መልሱሎም።
እግዚኣብሄር ግና “እቶም ነቢያትስ ብስመይ ሓሰት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን ወይ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብክዎምን፤ ንሳቶምስ ራእይ ሓሰትን ጥንቈላን ከንቱነትን ዝኾነ፥ ናይ ልቦም ጥበራ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እዞም ነቢያት እዚኣቶም ዝንበዩልኩም ኣይትስምዑ፤ ከንቱነት ይምህሩኹም፤ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወፀ ዘይኮነስ፥ ካብ ልቦም ዝኾነ ራእይ እዮም ዝናገሩ።
ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ።
እንሆ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕልሚ ሓሰት ዝሓልሙን ዝናገሩን፥ ብሓሰቶምን ብድፍረቶምን ንህዝበይ ኣብ ልዕሊ ዘስሕቱ ነቢያት እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ዝጠቕምዎ የብሎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ።
ሽዑ እቶም ኣስማተኛታትን፥ ምትሃተኛታትን፥ ጠንቈልትን፥ ከለዳውያንን ምስ መፁ፥ እቲ ሕልሚ ነገርክዎም፤ ንሳቶም ግና ትርጕሙ ኸፍልጡኒ ኣይከኣሉን።
እቶም ራእይ ዝሪኡ ኽንውሩ፥ እቶም ትንቢት ዝዛረቡ ኸዓ ኽሓንኩ እዮም። እግዚኣብሄር ስለ ዘይምልሰሎም፥ ኵላቶም ብሕፍረት ከንፈሮም ክኸድኑ እዮም።”
ተራፊም ከንቱ ይናገሩ፤ ጠንቈልቲውን ሓሰት ይሪኡ፤ ሓለምቲ ድማ ሓሰት ይናገሩ፤ ብኸንቱውን የፀናንዑ፤ ስለዙይ እቶም ህዝቢ ጓሳ የብሎምን፤ ከም ኣባጊዕ ከርተት በሉ፤ ተጨነቑውን።
“ስለዙይ ኣነ ንፍርዲ ናባኻትኩም ክቐርብ እየ። ኣብ ልዕሊ ኣስማተኛታትን ዘመውትን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ብሓሰት ዝምሕሉን፥ ንበዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምፅዎን፥ ንመበለትን ደኽታምን ዝገፍዕዎምን፥ ንስደተኛ መሰሉ ዝኸልእዎን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣይ ዘይፈርሑን፥ ክምስክረሎም ክቕልጥፍ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ዘዳምፅዎ ዝነበሩ ኸዓ፥ ንብዙሕ እዋን ብጥንቍልናኡ የገርሞም ስለ ዝነበረ እዩ።
ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ኣብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም።
እቲ ምልክት ወይ እቲ ተኣምራት ከዓ ኸምቲ ዝበለኩም እንተ ተፈፀመ፥ ‘ንሱ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ንስገደሎም’ እንተበለኩም፥
“እቶም ንስኻትኩም እትወርስዎም ኣህዛብ፥ ስብሒ ንዝገልፁን ንጠንቈልትን እዮም ዝሰምዑ፤ ንኣኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምዙይ ዝበለ ኸይትገብሩ ኸልከለኩም።
ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ።
ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።
እቶም ኣኽላባት ዝኾኑ፥ ጠንቈልቲ፥ ኣመንዝራታት፥ ቀተልቲ ሰብ፥ መምለኽቲ ጣዖት፥ ሓሰት ዝፈትዉን ዝገብሩን ኵሎም ግና፥ ካብታ ኸተማ ወፃኢ ክኾኑ እዮም።
ከምኡውን፥ ካብ ምቕታሎምን ወይ ካብ ምጥንቋሎምን ወይ ካብ ምንዝርናኦምን ወይ ካብ ስርቆምን፥ ኣይተነስሁን።