6 ንዅለን እዘን ሃገራት እዚኣተን ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ሂበየን ኣለኹ፤ እንስሳ በረኻ እውን ከም ዝግዝእዎ ሂበዮ ኣለኹ።
ኤዊል መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን ንጉስ ይሁዳ ፅቡቕ ገይሩ ተኸናኸኖ፤ ንዙፋኑ ድማ ኻብ ዝፋናት እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ።
ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፥ ንመንግስታት ኵላ ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ። ንስኻትኩም ከዓ፥ ኣቱም ህዝቢ እግዚኣብሄር፥ ካብ ዘለኹምዎ ናብ ኢየሩሳሌም ኪዱ፤ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን” ኢሉ ኣብ ኵሉ መንግስቱ ኣዋጅ ኣንገረ፤ መሊሱውን ብፅሑፍ ገበሮ።
ንቂሮስ ከዓ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ’ ኢየሩሳሌም ‘መሊሳ ትተሃነፅ’ እቲ ቤተ መቕደስውን ‘ይመስረት’ ኢሉ፥ ንዅሉ ፍቓደይ ክፍፅም እዩ እብል ኣለኹ።”
ድሕሪዙይ ከዓ ንሴዴቅያስ፥ ንጉስ ይሁዳን ንግዙኣቱን ንባሮቱን፥ ነቶም ካብ መቕሰፍትን ካብ ውግእን ካብ ጥሜትን ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ዝተረፉ ህዝብን፥ ናብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ናብ ኢድ እቶም ፀላእቶምን፥ ናብ ኢድ እቶም ክቐትልዎም ዝደልዩን ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። ንሱ ኸዓ ብብልሒ ሰይፊ ኽወቕዖም እዩ፤ ኣይርህርሀሎምን ኣይሓዝነሎምን ኣይምሕሮምንውን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኻ ዝደልዩዋ፥ ኣብ ኢድ እቶም እትፈርሖም፥ ኣብ ኢድ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን፥ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ።
ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ንኢኮንያን፥ ወዲ ኢዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ፥ ምስ ኣሕሉቕ ይሁዳን ሃነፅትን ሰራሕቲ ሓፃውንን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ምስ ወሰዶም፥ እንሆ፥ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ቅድሚ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝተቐመጣ፥ በለስ ዝመልኣ ኽልተ መሶብ ኣርኣየኒ።
ቃለይ ስለ ዘይሰማዕኹም፥ እንሆ፥ ንዅሎም ህዝብታት ሰሜንን ንኣገልጋሊየይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎንን ከምፅኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ናብዛ ሃገር እዚኣን፥ ናብቶም ዝነብርዋን፥ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታትን፥ ከምፅአሎም እየ። ፈፂመ ኸጥፍኦም፥ ንመሰክሕን ንመላገፅን ከዓ ኽገብሮም፥ ንዘለኣለም ድማ ኸባድሞም እየ።
ንናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽግዝኡ፥ ኣብ እንስሳ በረኻ እኳ ስልጣን ሂበዮ ኣለኹ፤ ኣርዑት ሓፂን ኣብ ክሳድ ኵሎም ህዝብታት ኣእትየ ኣለኹ። ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል’ ኢልካ ንገሮ” በሎ።
ሽዑ እግዚኣብሄር፥ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፦ እንሆ፥ ኣነ ንባርያይ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ልኢኸ ኸምፅኦ እየ፤ ንዙፋኑ ድማ ኣብ ልዕሊ እዘን ኣነ ዝሓባእኹወን ኣእማን ከንብሮ እየ፤ ንሱ ኸዓ ንድንኳን መንግስቱ ኣብ ልዕሊአን ክዝርግሖ እዩ።
“ኣቱም ኣብ ኣሶር እትነብሩ፥ ንጉስ ባቢሎን ክፉእ ምኽሪ መኺሩልኩምን ሃቂኑልኩምን ኣሎ እሞ፥ ህደሙ፤ ቀልጢፍኩም ረሓቑ፤ ኣብ ዓሚቝ ተሓብኡ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዙይ ከዓ ይብል ኣሎ፦
ንሃገር ግብፂ ኣብ ማእኸል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ፤ ከተማታታ ድማ ኣብ ማእኸል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ክኾና እየን፤ ንግብፃውያን ከዓ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ፋሕ ከብሎም፥ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክብትኖም እየ።”
ንቐላፅም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን ሰይፈይ ድማ፥ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፤ ንቐላፅም ፈርዖን ግና ኽሰብረን እየ፤ ንሱ ድማ ኸምቲ ንሞት እተወግአ ሰብኣይ ዝቕንዞ፥ ኣብ ቅድሚኡ ኽቕንዞ እዩ።
ቈፅሉ ፅቡቕ ነበረ፤ ፍረኡ ኸዓ ንዅሉ ኽምግብ ዝኽእል ብዙሕ ነበረ። እንስሳ ዘገዳም ኣብ ትሕቲኡ የፅልሉ ነበሩ፤ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብ ጨናፍሩ ጐጆአን ሰሪሐን ነበራ። ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ድማ ኻብኡ ይምገብ ነበረ።
“ኦ ንጉስ፥ ዝዓበኻን ዝበርታዕኻን ንስኻ ኢኻ፤ ዕቤትካ ኽሳዕ ሰማይ በፅሐ፤ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ሰፍሐ።