22 ናብ ባቢሎን ክውሰድ፥ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮ ኸዓ ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ኸውፅኦን ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሶን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ብነሃስ ዝተሰርሐ ኣዕማድን ነቲ መቐመጢ ኣቑሑን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ጋብላ ነሃስን ሰባበርዎ። ነቲ ነሃስ ከዓ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
ስለዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ነቢይ ኤርሚያስ “እቶም ህዝቢ ነቲ እታ ምድሪ ብሸውዓተ ዓመት ክተዕርፎ ዝግብኣ ዕረፍቲ ሰንበት ስለ ዘይገበሩላ፥ ንሰብዓ ዓመት ክትባድም እያ እሞ ሽዑ ኽንድቲ ዘይሓለውዎ ዕረፍቲ ሰናብቲ ክኾነላ እዩ” ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ትንቢት ተፈፀመ።
ኵሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ እንተለዉ ሰሳብሳር ነዝ ዅሉ ኣደየቦ።
እቲ ንምግልጋል ቤት እግዚኣብሄር ዝተውሃበካ ኣቑሑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኢየሩሳሌም ሃብ።
ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኻብ ባቢሎን ክድይቡ ጀመሩ፤ እታ ሕያወይቲ ኢድ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረት፥ በታ ሓምሸይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናብ ኢየሩሳሌም መፀ።
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
ኵሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ፃማኣን ኵሉ ኽቡር ኣቑሑታን ኵሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ፀላእቶም ከም ዝወድቕ ክገብሮ እየ። ንሳቶም ከዓ ኽዘምትዎ፥ ማሪኾም ድማ ናብ ባቢሎን ክወስድዎ እዮም።
“እምበኣርከስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቅደስን፥ ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ኵሎም ህዝብታት ከዓ ንእኡን ንወዱን ንወዲ ወዱን ክግዝእዎም እዮም። እዙይ ድማ ሃገሩ እትወድቀሉ ጊዜ ኽሳዕ ዝበፅሕ እዩ። ሽዑ ሓያላት ህዝብታትን ዓበይቲ ነገስታትን ንእኡ ኸግዝእዎ እዮም።
“እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘ድሕሪ ሰብዓ ዓመት ኣብ ባቢሎን ምንባርኩም፥ ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሰኩም እየ’ ኢለ ዝኣተኹልኩም ሰናይ ቃለይ ክፍፅመልኩም እየ።
ሴዴቅያስ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ክኸይድ እዩ፤ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮውን ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ምስ ባቢሎናውያን እንተ ተዋጋእኹም ኣይቐንዐኩምን እዩ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ናብ ሴዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኼድካ ኸምዙይ ኢልካ ንገሮ፦ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነዛ ኸተማ እዚኣ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፤ ንሱውን ብሓዊ ኸባርዓ እዩ።
ንስኻ ኸዓ ብርግፅ ተትሒዝካ ናብ ኢዱ ኽትወሃብ ኢኻ እምበር፥ ካብ ኢዱ ኣይተምልጥን ኢኻ፤ ዓይንኻውን ንዓይኒ ንጉስ ባቢሎን ክትርኢ እያ፤ ንሱውን ኣፍ ንኣፍ ምሳኻ ኽነጋገር እዩ። ናብ ባቢሎንውን ክትኣቱ ኢኻ።
ብሰላም ክትመውት ኢኻ፤ ከምቲ ነቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ቐዳሞት ነገስታት ኣቦታትካ ዘቃፅሉሎም ዝነበሩ ኸቃፅሉልካ እዮም፤ ‘ዋይ ዋይ ጐይታና’ እናበሉ ድማ ኸልቅሱልካ እዮም፤ ኣነ ባዕለይ እዝ ቓል እዙይ ተናጊረ እየሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እኳ ድኣ ነቲ ጐይታ ሰማይ፥ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፤ ነቲ ኻብ ቤተ መቕደሱ ዝተዘምተ ኣቑሑ፥ ኣብ ቅድሜኻ ኸምፅእዎ ኣዘዝካ፤ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰተኹምሉ። ነቶም ዘይሪኡን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ብብሩርን ወርቅን ነሃስን ሓፂንን ዕንፀይትን እምንን ዝተሰርሑ ኣማልኽቲ ወደስኩምዎም። ነቲ ህይወትካን ናብራኻን ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ ኣምላኽ ግና ኣየኽበርካዮን።
ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ኣነ ዳንኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ፥ ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ፥ ዕንወት ኢየሩሳሌም ዝፍፀመሉ ሰብዓ ዓመታት ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ቍፅሪ ዘመናት ኣስተብሃልኩ።