21 “እምበኣርከስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቅደስን፥ ኣብ ቤት ንጉስ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ተሪፉ ዘሎ ኣቑሑ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
‘እዝ ዅሉ ኣብ ቤትካ ዘሎ፥ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘደለብዎን፥ ናብ ባቢሎን ዝውሰደሉ መዓልቲታት ይመፃ ኣለዋ፤ ሓደ ነገር እኳ ኣይተርፍን እዩ ይብል እግዚኣብሄር።
ንሱ ኸዓ ንዅሉ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ዓቢይን ንእሽተይን፥ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ንጉስን ንሹመኛታቱን ናብ ባቢሎን ወሰዶ።
ኵሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ እንተለዉ ሰሳብሳር ነዝ ዅሉ ኣደየቦ።
ነቲ ናቡከደነፆር ካብ ኢየሩሳሌም ኣውፂኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቑሑ ቤት እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንጉስ ቂሮስ ኣውፅኦ።
እንሆ፥ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ፥ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዅሉ፥ ሓደ እኳ እንተይተረፈ፥ ናብ ባቢሎን ዝወስዱለን መዓልቲታት ክመፃ እየን ይብል እግዚኣብሄር።
ኵሉ ጥሪት እዛ ኸተማ እዚኣን ኵሉ ፃማኣን ኵሉ ኽቡር ኣቑሑታን ኵሉ እቲ መዛግብ ነገስታት ይሁዳን ኣብ ኢድ ፀላእቶም ከም ዝወድቕ ክገብሮ እየ። ንሳቶም ከዓ ኽዘምትዎ፥ ማሪኾም ድማ ናብ ባቢሎን ክወስድዎ እዮም።
ናብ ባቢሎን ክውሰድ፥ ኣነ ኽሳዕ ዝዝክሮ ኸዓ ኣብኡ ኽፀንሕ እዩ። ብድሕሪኡ ኸውፅኦን ናብዝ ስፍራ እዙይ ክመልሶን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ዮድ። ፀላኢ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሃብታ ኢዱ ዘርግሐ፤ ኣብ ማሕበርካ ኸይኣትዉ ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ እንተለዉ ረአየቶም።