15 ኣነ ምእንቲ ኽሰጐኩም፥ ንስኻትኩምን እቶም ዝንበዩልኩም ነቢያትን ድማ ኽትጠፍኡስ፥ ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን” ኢለ ነገርክዎ።
እቲ ነቢይ እናተዛረበ እንተሎ ድማ እቲ ንጉስ “ናይ ንጉስ መማኸሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና? ሕደግ፤ ንምንታይ ቅፅዓት እትደሊ” በሎ። እቲ ነቢይ ድማ “እዙይ ብምግባርካ፥ ምኽረይ ከዓ ብዘይ ምስማዕኻ፥ እግዚኣብሄር ከጥፍአካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ” ኢሉ ሓደጎ።
እግዚኣብሄር ግና “እቶም ነቢያትስ ብስመይ ሓሰት ይንበዩ ኣለዉ። ኣነ ኣይለኣኽክዎምን ኣይኣዘዝክዎምንውን ወይ ሓንቲ ቓል ኣይተዛረብክዎምን፤ ንሳቶምስ ራእይ ሓሰትን ጥንቈላን ከንቱነትን ዝኾነ፥ ናይ ልቦም ጥበራ እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ።
ንስኻ ጳስኮር፥ ምስቶም ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ዅላቶም ክትማረኹ ኢኹም፤ ናብ ባቢሎን እውን ክትውሰድ ኢኻ እሞ፥ ምስቶም ሓሰት ዝተነበኻሎም ኵሎም ፈተውትኻ፥ ኣብኡ ኽትመውት ኣብኡውን ክትቅበር ኢኻ በሎ።”
“ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ እዞም ነቢያት እዚኣቶም ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ካብ ነቢያት ኢየሩሳሌም ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ርኽሰት ተባፂሑ እዩሞ፥ ዕረ ኸብልዖም እየ፤ ዝመረረ ሓሞትውን ከስትዮም እየ።”
“ነዞም ነቢያት እዚኣቶም ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ግና ናይ ባዕሎም መልእኽቲ ሒዞም ጐየዩ። እንተይነገርኩዎምውን ትንቢት ተናገሩ።
ሓለምና፥ ሓለምና እናበሉ፥ ብስመይ ትንቢት ሓሰት ናይ ዝናገሩ ነቢያት ቃል ሰሚዐ ኣለኹ።
ንሳቶም ምእንቲ ኣነ ኽሰጐኩምን ከጥፍአኩምን፥ ካብ ሃገርኩም ከርሕቑኹምን ኢሎም እዮም ሓሰት ዝንበዩልኩም ዘለዉ እሞ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፥ ብርግፅ ከምዙይ ይብል ኣሎሞ፥ በቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ ነቢያትን ጠንቈልትን ኣይትታለሉ፤ ነቲ እትሓልምዎ ሕልሚ ኣይትእመኑ።
ንሳቶም ብስመይ ሓሰት እዮም ዝንበዩልኩም ዘለዉ እምበር፥ ኣነ ኣይለኣኽክዎምን፤ ይብል እግዚኣብሄር።’ ”
እንሆ፥ ኵለን እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ተሪፈን ዘለዋ ኣንስቲ፥ ናብቶም ኣሕሉቕ ንጉስ ባቢሎን ከውፅእወን እዮም፤ ክኸዳ እንተለዋ ኸዓ ‘ፈተውትኻ ጠበሩኻን ኣስድዑኻን፤ ኣእጋርካ ኣብ ጭቃ ተረግረገ፤ ንሳቶም ከዓ ሓደጉኻ’ ክብላኻ እየን” በልክዎ።
ሕደግዎም፤ ዕዉራን፥ መራሕቲ ዕውራን እዮም። ዕዉር ንዕዉር እንተ መርሖ፥ ክልቲኦም ናብ ጕድጓድ ይወድቁ” በሎም።
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።
እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።